Friday , May 17 2024

ኣብ ውሱናት ንጥፈታት፡ ምፍኳስ ቀይድታት ኮሮና ክጅመር እዩ

መንግስቲ ሽወደን፡ ኣብ ውሱናት ንጥፈታት፡ ምፍኳስ ቀይድታት ኮሮና ንኽግበር፡ እማመ ከምዘቐረበ ሽወደናዊ ሬድዮ ኢኮት ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ።

ካብ ዕለት 17 ግንቦት ጀሚሩ፡ ኣብ ከም ዓበይቲ ስፖርታውን ባህላውን ዝኣመሰሉ ንጥፈታት፡ ክሳብ 500 ሰባት ዝኣኽሉ፡ ኣብ ዝተመደቡ ወናብር ኮፍ ብምባል፡ ክእከቡ ከምዝኽእሉ ዝገለጸት ሚኒስተር ባህልን ስፖርትን ሽወደን፡ ኣማንዳ ሊንድ፡ እዚ ተግባራዊ ዝኸውን ግን፡ ኩነታት ምስፍሕፋሕ ለበዳ፡ እንተ ኣፍቂዱ ጥራይ እዩ ክትብል ሓቢራ።

ኣብ ክፉት ቦታ፡ ርሕቀትካ ብምሕላው ዝግበር ምትእኽኻብ፡ ትሑት ዝኾነ ናይ ምትሕልላፍ ተኽእሎታት ስለዘለዎ እዩ ክትብል፡ ሚኒስተር ሊንድ፡ ምስ ሬድዮ ኢኮት ኣብ ዘካየደቶ ርክብ ገሊጻ።  


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com