Wednesday , May 15 2024

ኣብ ዓበይቲ ኲባንያትታ ዝሰርሑ ሓዊስካ 41 ሰባት ብምንዝርና ይኽሰሱ።

41 ሰባት ምስ ኣመናዝር ጾታዊ ርክብ ክትገዝኡ ተረኺብኩም ብዝብል ምሓዙን ካብዚኣቶም ብርክት ዝበሉ ሰራሕተኛታት ኲባንያታት ሽወደብ ምዃኖምን ጋዜጣ ኣፍቶንብላዴት ሓቢራ። እዚ ስርሒታት ኣብ ወርሓት ጥሪን ለካቲትን ኣብ ከተማ ስቶክሆልም ኣብ ዝርከብ መዋፈሪ ኣመናዝር እዩ ተኻዪዱ። ሓደ ካብዞም በዚ ተግባር ዝተኸሰሱ ኣሽሓት ሰራሕተኛታት ዝመሓድር ሰራሕተኛ ዓብዪ ኲባንያ ሽወደን እዩ ተባሂሉ’ሎ።

ክሳብ 50 ሽሕ ክሮና ክዕጻዕ ከም እተበየነሉ ድማ ተገሊጹ። ካልእ ብተመሳሳሊ ገበን እተኸሰ ወዲ 60 ዓመት ኣካያዲ ስራሕ ባንክ 45 ሽሕ ክሮና ተቐጺዑ። ኣህጒራዊ ኲባንያ ዝመርሕ ሽወደናዊ’ውን ካብዞም ክሱሳት ኮይኑ 40500 ክሮና ብመቕጻዕቲ ክኸፍል እዩ። ዋና ክኢላ ኣማኻሪ ምንባሩ እተጠቕሰን 60 ዝዕድሚኡን ሰብ ከኣ 32500 ክሮና ተቐጺዑ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com