Friday , May 17 2024

ኣብ ዕዳጋ ሸርፊ ባጤራ ስቶክሆልም ብሰንኪ ዝተራእየ ጥርጣረ ዘይሕጋዊ ዝውዉር ገንዘብ፣ ኣብ ዉልቃዊ ባንኪ ሽወደን SEB Bank ዘሎ ናይ ዓማዊል ብርክታት ሽግር ኣጋጢምዎ።

ኣብ ዉልቃዊ ባንኪ ሽወደን ዘሎ ብርክታት ብሰንኪ እቲ ኣብ ስቶክሆልም ዕዳጋ ሸርፊ ባጤራ ዝተጠርጠረ ዘይሕጋዊ ዝውውር ገንዘብ ዋጋ ብርክታት ክወድቕ ይኽእል እዩ ዝብል ዓቢ ሓደጋ ከምዘሎ ኣገልግሎት ቴሊቭዥን ሽወደን ኣብ ዝዘግርሖ ዜናዊ ሓበሬታ ሓቢሩ። ብመሰረት እቲ ሓበሬታ፣ እቲ ተጠርጢሩ ዘሎ ዘሕጋዊ ገንዘባዊ ዝውዉር ብቐንዱ ኣብቲ ሓደ ካብ ኣርባዕተ ዓበይቲ ባንክታት
እዚ ሃገር፣ ምዃኑ ዝንገረሉ ዉልቃዊ ባንኪ ሽወደን SEB ባንክ ዝሳተፎ ናይ ስቶክሆልም ዕዳጋ ሸርፊ ባጤራ ከምዝተራእየ፣እቲ ዜና ኣመልኪቱ።
ብምኽንያት እዚ ኣብ መጀመሪያ እዋን ዕዳጋ ሸርፊ ባጤራ ስቶክሆልም ብዓሰርተ ሚእታዊት ምንቁልቃል ክብሪ ከምዘተራእየን፣ እዚ ኸኣ ብመንጽር ቛንቋ ቁጠባዊ ዕዳጋ ከም ዓቢ ዉድቀት ኣብ ዕዳጋ ሸርፊ ከምዝቑጸር እቲ ሓበሬታ የረድእ። ድሕሪ እዚ ሓበሬታ ምዝርግሑ፣ ጋዜጣዊ መግለጺ ዝሃበ፣ ባንኪ ሽወደን SEB ከምዝሓበሮ፣ እቲ ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ዝተፈነወ ትሕዝቶ ዜናዊ ሓበሬታ ዝይንጹርን እዩ ክብል ገሊጽዎ ኣሎ። ካልኦት ባንክታት ሽወደን ከም ባዓል ኖርደያ Nordea ከምኡ እዉን ባንኪ ሽወደን Sweden bank ኣብ መጀምሪያ እዋን ተመሳሳሊ ጉድኣት ብተደጋጋሚ ከምዝወረደን፣ እቲ ዜና ገሊጹ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com