Friday , May 17 2024
Paul Wennerholm/TT

ኣብ ዩክሬይን ዘጋጥም ሓደጋ ኑክሌር ኣብ ሽወደን ዘህልዎ ጽልዋ ዝወሓደ እዩ ተባሂሉ። 

ብምኽንያት ወራር ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬይን ከጋጥም ዝኽእል ሓደጋ ኑክሌር ከስዕቦ ዝኽእል ዕንወት ኣመልኪቱ ኣብ ህዝቢ ሽወደን ሓፈሻዊ ስግኣት ምህላዉን ከም መርኣያ ናይዚ ድማ ከኒናታት ኣዮዲን ክሽየጡ ምጽንሖምን ሰብመዚ ሓበሬታ ከም ዘለዎምን ነዚ ሻቕላ ከህድእዎ ከም ዝደልዩን ሬድዮ ሽወደን ገሊጻ። ሓላፊት በዓልመዚ ውሕስነት ጨረርታ ኒና ክራምኔር ትካሎም ነቲ ኣብ ዩክሪይን ዘሎ ኲነታት ብቐረባ ይከታተልዎ ምህላዎ ገሊጻ’ላ። ዩክሬይን ወናኒት 4 ንጡፋት ትካላት ሓይሊ ኑክሌር ምዃና ዝፍለጥ እዩ። “ኣብ መንጎ ሃገራት ዩክሬይንን ሽወደንን ዘሎ ሰፊሕ ርሕቀት ኣብ ግምት ብምእታው እዚ ጒዳይ ኣብ ሽወደን ዘምጽኦ ሳዕቤን ዝወሓደ እዩ። ብኻልእ ሸነኽ እቲ ሳዕቤን ብርግጽ ኣብ ዩክሬይን ኣዝዩ ሕማቕ ክኽውን እዩ፡ ከሻቕለና ዝግባእ ንሱ እዩ” ኢላ’ላ ክሮምኔር። 


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com