Friday , May 17 2024

ኣብ ዮተበሪ 20 ዝኾኑ ማስኬራ ዝወደዩ ሰባት ን ፖሊስ ኣጥቂዖም።

ብሰንበት ምሸት ኣብ ዮተበሪ 20 ዝኾኑ ማስኬራ ዝወደዩ ሰባት ንሮንዲ ፖሊስ ኣብ ሄይሲንግዝ ፓካ ኣጥቂዖ ተባሂሉ። እቶም ሰብ ማስኬራ ናብ ፖሊስ ኣኣማን ብምድርባይ እዮም ኣጥቂዖሞም። እቶም ሓለዋ ፖሊስ በዚ መጥቃዕቲ ደው ክብሉ ከም እተገደዱን እታ መኪና ፖሊስ ምዕናዋን ከኣ ኣፈኛ ፖሊስ ሓቢራ። “እዚ መጥቃዕቲ ኣብ ፖሊስ ጥራይ ዘይኮነ ኣብ መላእ ማሕበረሰብ ከም ዘጋጠመ ኢና ንሓስቦ” ክትብል ኣፈኛ ፖሊስ ጄኒ ዌይደን ንተሌቪዥን ሽወደን ሓቢራ።

ዛጊት ምንም ዝተታሕዘ ጥርጡር የለን። እንተኾነ ግና ናይቲ ከባቢ ሰብ መካይን መርመራ ከም እተገብረሎም ተፈሊጡ’ሎ። ኣብዚ መርመራ ፖሊስ ንሓደ ሰትዩ መኪና ዝመርሕ ዝነበረ ሰብ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣእትዮም ኣለዉ። ካልእ ድማ ዘይሕጋዊ ስሕለት ስለእተረኽቦ ተኸሲሱ’ሎ። እዚ ገበን ገዚፍ ሓደጋ ከስዕብ ዝኽእል ጎነጻዊ ናዕቢ ተባሂሉ ምምዳቡ ኸኣ ተገሊጹ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com