Thursday , May 16 2024
A wildfire burns a forest in Avgaria village on Evia island (AP Photo/Petros Karadjias) XTS117

ኣብ ደሴት ኤቪያ፡ ጩራ ተስፋ ተራእዩ

ኣብ ግሪኽ፡ ብርክት ዝበሉ ጫካታትን መሬትን ብባርዕ ኣብ ዝቃጸለሉ ዘሎ እዋን ኣብ ደሴት ኤቪያ ዘሎ ኲነታት ክመሓየሽ እዩ ዝብል ተስፋ ምህላዉ ተገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።

እዚ ናይ ባርዕ ግንባራት ብዘገመታ ኣብ ትሕቲ ቊጽጽር ይኣቱ ኣሎ ክልብ፡ ከንቲባ ናይታ ብባርዕ ኣጸቢቓ እተሃስየት ደሴት ኤቪያ ዝኾነ፡ ዮኒስ ኮንትዝያስ ሓቢሩ። ሰማይ ብትኪ ባርዕ ተሸፊኑ ምርኣይ ዘሕዝን እኳ እንተኾነ ሕጂ ግና እዚ ዝቕየረሉ ጩራ ተስፋ ይረአ ምህላዉ እቲ ከንቲባ ወሲኹ ገሊጹ። ትማሊ ድሕሪ ብዙሕ መዓልታት፡ ጩራ ብርሃን ጸሓይ ርኢና ክብል ንመንግስታዊ ማዕከን ዜና ERT ኣብ ዝሃቦ መብርሂ ገሊጹ።

ኣብ ኤቪያን ኣሸገርቲ ገጸ ምድሪ ዞባ ፖለፖኔዥያን ዘሎ ባርዕ ሓዊ ንምጥፋእ ብኣማኢት ዝቚጸሩ ሰራሕተኛታት መጥፋእቲ ሓዊ፡ ተዋፊሮም ምህላዎም ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ገሊጸን ኣለዋ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com