Thursday , May 16 2024

ኣብ ደቡባዊ ሄልሲንኪ ብርቱዕ ነትጒ ኣጋጢሙ።

ትማሊ ወጋሕታ ብርቱዕ ነትጒ ኣብ ከባቢ ራምሎሳ ደቡብ ሄልሲንኪ ምኽሳቱን ኣርባዕተ ኣባይቲ ምዕናዉን ተገሊጹ። ፖሊስ ብዛዕባዚ ጒዳይ ኣብ ከባቢ ሰዓት 3፡25 ምስምዖምን ክኢላታት ቦምባ ናብቲ ቦታ ክለኣኹ ከም እተገብረን ድማ ተሓቢሩ። ኣብተን ዝዓነዋ ኣባይቲ ሰባት ደቂሶም ከምዝነብሩን ፥ ዛጊት ዝተጐድአ ሰብ ከምዝየለ በዓልመዚ ፖሊስ ኒልስ ኤሪክ ስቨንሰን ሓቢሩ። ብመሰረት ዝተገብረ ኣፈናዊ መርመራ እቶም ተኰስቲ ዕላምኦም ብምስሓት ናብዚ ኣባይቲ ሃስያ ምውራዶም ገሚቶም ኣለዉ።

“ዛጊት ኲሉ ኣንፈታት ናብኡ እዩ ዝሕብር፥ ግና ናብ ዝርዝራቱ ብዙሕ ክኣቱ ኣይደልን እየ” ክብል ስቨንሰን ይገልጽ። ኣብ በዓል ልደት ሄልሲንኪ ገለ ናይ ጸጥታ ጸገማትን ገበንን ከም እተራእይዋን ኣብ ከባቢ ብራክስጋታን ብልሓቱ ዘይፍለጥ ኣቕሓ ከም እተረኽበን ድማ ይግለጽ ኣሎ። ፖሊስ ኣብ መንጐ እዞም ዝተጠቕሱ ገበናት ዘሎ ዝምድና ንምጽራይ ኣብ መርመራ ምህላዎም ክፍለጥ ተኻኢሉ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com