Thursday , May 16 2024

ኣብ ደቡባዊ ሱንድስቫል ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኣጋጢሙ!!

እዚ ምንቅጥቃጥ ምድሪ 2.4 ሬክተር ዝተዓቀነ ኮይኑ ኣብ ደቡባዊ ኣብ ደቡባዊ ሱንድስቫል ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኣጋጢሙ። ከም ዘጋጠመን ነበርቲ ፖሊስ ምጽውዖምን ኣመልኪቱ። ብመሰረት ሃገራዊ መርበብ ምዕቃን ምድሪ ሽወደን እዚ ምንቅጥቃጥ ኣብ ምብራቕ ሜደልባድ’ውን ዝተኸስተ ኮይኑ ብዙሓት ነበርቲ ከም ዝተሰምዖም ኣፍሊጦም።

ብመሰረት ብዦርን ሉንድ መምህር ሴስሞሎጂ ኣብ ኣፕሳላ ዩኒቨርስቲ ኣብዚ ዓመት ከምዚ ዘለ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ከጋጥም ሕጂ ንዓስራይ ግዜኡ እዩ። እቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ዝኾነ ናይ ንብረት ዕንወት ኣየኸተለን ተባሂሉ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com