Friday , May 17 2024

ኣብ ዴኒማርክ፡ ማስክ ምኽዳን ዝረሰዐ ሽወደናዊ፡ ናይ ገንዘብ መቕጻዕቲ ተበይንሉ

ህዝባውያን መጓዓዝያታት ዴኒማርክ ክትጥቀም እንከለኻ፡ ማስክ እንተዘይ ጌርካ እንታይ ከምዘጓናፈካ ትፈልጥ’ዶ፧ ንሓደ ሽወደናዊ ሰብኣይ ዘጓነፎ ከም መብርሂ ክኾነና ይኽእል እዩ።

ኣብ ሄልሰንዮር፡ ሓደ ኣብ 50ታት ዝዕድሚኡ ሽወደናዊ ሰብኣይ፡ ኣብ ኢዱ ሒዝዋ ዝነበረ ማስክ ከይተኸደና ረሲዕዋ ብምጽንሑ፡ ተቖጸጻርቲ ምስ ረኣየ ተኸዲንዋ። ይኹን እምበር፡ እቶም ተቖጻጸርቲ፡ ከይተኸደና ምጽንሑ ስለዝረኣዩ፡ ጥሕሰት መምርሒታት ኮሮና ፈጺምካ ኢሎም ሓበርዎ።

እቲ ሽወደናዊ ሰብኣይ፡ ማስክ ብዘይምኽዳኑ፡ ክሳብ 3200 ክሮን መቕጻዕቲ ክፍረድ ምዃኑ ተፈሊጡ ኣሎ ክብል TT ሓቢሩ።

ህዝባውያን መጓዓዝያታት ዴኒማርክ ክትጥቀም እንከለኻ፡ ማስክ ምግባር፡ ግዴታ ስለዝኾነ፡ ፖሊስ ብጽኑዕ ዝከታተሎ ጉዳይ እዩ። ማስክ እንተዘይ ጌርካ፡ ብጥሕሰት መምርሒታት ኮሮና ክትክሰስ ትኽእል ኢኻ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com