Thursday , May 16 2024

ኣብ ጀርመን ዝርከባ ኩባንያታት ሽወደን ቁጽረን ይዛይድ።

ኣብ ጀርመን ዝርከባ ኩባንያታት ሽወደን ፡30 ዓመት ድሕሪ ምፍራስ መንደቕ በርሊን (BERLIN WALL)፡ ቁጽረን ብናህሪ ከምዝወሰኸ ካብ ጀርመናዊ ሽወደናዊ ቤት ምኽሪ ንግዲ ዝተረኽበ ሓድሽ ስታቲካዊ ሓበሬታ ተፈሊጡ። ገለ ኩባንያታት ሽወደን፡ ኣብ ትሕቲ ናይ ቀደም ምዕራብ ጀርመን ዝነበሩ ቦታታት፡ ናይ ስራሕ ፍቓድ ይሓቱ ከምዘለዉ ተፈሊጡ።

ኣብ 9/11/1989 ምብራቕ ጀርመናውያን ንፈለማ ግዜ ናብ ምዕራብ ጀርመን ዝሰገርሉ መዓልቲ ምንባሩ ኣብ ጀርመናዊ ሽወደናዊ ቤት ምኽሪ ንግዲ ሓላፊ ጋዜጠኛታት፡ ፍራንክ ሎትሃርደት፡ ንሬድዮ ሽወደን (Ekot) ተዛሪቡ። ክልቲአን ጀርመን ዶባተን ከፊተን ድሕሪ ምሕባረን፡ ብዙሓት ሽወደናውያን ኩባንያታት ኣብቲ ሃገር ጨናፍር ከፊተን።

ብመሰረት ጀርመናዊ ሽወደናዊ ቤት ምኽሪ ንግዲ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ቁጽሪ ሽወደናውያን ኩባንያታት ቅድሚ 5 ዓመታት ኣስታት 1200 ኩባንያ ከምዝነበራን ሎሚ ድማ ብ 40% ክብ ብምባል እቲ ቁጽሪ ናብ 1680 ኩባንያታት ወሲኹ ይርከብ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com