Friday , May 17 2024

ኣብ ጸወታ ኩዕሶ እግሪ ሽወደን፡ ዓሌትዊ ፍጻሜ ኣጋጢሙ

ሰንበት ምሸት፡ ኣብ መንጎ ሽወደናውያን ክለባት እስክሊስቱናን ኡምዮን ዝተካየደ ጸወታ፡ ሓላዊ ልዳት እስክሊስቱና ዝኮነ ጆሽዋ ዊክስ፡ ግዳይ ዓሌታዊ ተግባር ከም ዝኾነ ክለቡ ኣፍሊጣ። ክለቡ ከም ዝሓበረቶ ሓላዊ ልደት፡ ጆሽዋ፡ ካብ ሓደ መቐናቕንቲ ተጻዋታይ እዚ ሕማቕ ተግባር ከም ዝበጽሖ ገሊጻ።

ማዕከናት ዜና ዘመሓላለፍኦ ስእላዊ ሓበሬታታት ከምዝገለጾ ፡ ጸወታ ምስተወድአ ጆሽዋን ሌክስን በቲ ዘጋጠመ ፍጻሜ ሕርቃኖምን ብስጭቶምን ኣብ ገጾም ግሁድ ከምዝነበረ ኣብሪሀን።

ሓላፊ ጸጥታ ክለብ እስኪልስቱና፡ ጂኖ ቱርሎ፡ ከምዝሓበሮ፡ ጠንቂ ሕርቃን ናይ ሓላዊ ልደት፡ ጆሽዋ፡ ኣብ መንጎ ጸወታ ዝሰመዖ  ዓሌታዊ ዘረባታት ከም ዘበገሶ ገሊጹ። ካብዚ ቀጺሉ፡  ቶርሉ፡ ነቲ ፍጻሜ ብቪድዮ ደጋጊሙ ብምርኣይን ንገለ መሰኻኽር ብምዝርራብን ንጠንቂ ሕርቃን ሓላዊ ልደት ከረጋግጽ ከምዝፈተነ ሓቢሩ።

ፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ሽወደን፡ ካብ ግዳይ ዝኮነት ክለብ፡ ሓበሬታ ተቐቢላ ካብ ዳኛ ነቲ ክሲ ዝምልከት ተወሳኺ ሓበሬታ ትጽበ ከምዘላን ተገሊጹ። ኣሰልጣኒ ክለብ ኡሚዮ፡ ዳኒ ፒርሶን፡ ነቲ ጉዳይ ብቐረባ ንከታተሎ ኣሎና፡ ኣብ ልዕሌና ዝኾነ ውሳኔ እንተ ተወሲኑ ድማ ንገብሮ ኣለና፡ እቲ ጉዳይ ግን ክሳብ ክንድኡ ዝበጽሕ ኣይመስልን ክብል ገሊጹ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com