Friday , May 17 2024

ኣብ ጽርግያ (ሃይ ወይ) ዝተወልደት ዕሸል

ጓሎም ንዳኒኤል ፔሪን ሶፍያ ዮሃንሶንን ዝኾነት፡ ኢዛቤላ ዝተባህለት ዕሸል፡ ናብ ዓለም ንኽትመጽእ ዝተሃወኸት ክትመስል፡ ወለዳ ናብ ሆስፒታል ቅድሚ ምብጽሖም፡ ኣብቲ ብE22 ዝፍለጥ ጽርግያ (ሃይወይ)፡ ጩራ ጸሓይ ክትርኢ ክኢላ ክብል መርበብ ሓበሬታ SVT ሓቢሩ።

እቲ ዝነበረ ኩነታት፡ ዝተሓዋወሰ ስምዒታት ዝፈጥር እዩ ኔሩ። በቲ ሓደ ሸነኽ ናይ ታሕጓስ፡ በቲ ኻልእ ሸነኽ ድማ ናይ ተርባጽን ፍርህን ስምዒታት ዝተፈጥረሉ ህሞት እዩ ኔሩ ክብል ዳኒኤል ይገልጽ። ሶፍያ፡ ብዕለት 5/10/2020፡ ትጽቢት ካብ ዝተገብረሉ ግዜ፡ ብ5 መዓልታት ቀዲማ ሕማም ሕርሲ ድሕሪ ምትሓዛ፡ ካብቲ ኣብ ኣሰሩም (Asarum)፡ ደቡብ ሽወደን፡ ዝርከብ ዝነብርሉ ገዛ፡ ምስ በዓል ቤታ ተተሓሒዛ፡ ናብ ሆስፒታል ኣብ ተምራሓሉ ዝነበረት እዋን፡ ቃንዛ ስለዝበርተዓ፡ በዓል ቤታ፡ ባዕሉ ንኸሕርሳ ወሰነ።

መኪናይ፡ ናብ ሮኒቢ ዝወስድ ምብራቓዊ መውጽኢ ኣጸጊዐ፡ ናብቲ ሶፍያ ዝነበረቶ መንበር እንጎየኹ ከይደ፡ ነቲ ኮፍ ኢላትሉ ዝነበረት መንበር ኣደቂሰ ተኸዲናቶ ዝነበረት ኣውጺአላ። ድሕሪ 5 ደቓይቕ ድማ ብሰላም ተገላጊላ ክብል ዳኒኤል ነቲ ዝነበረ ኩነታት ገሊጽዎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com