Friday , May 17 2024

ኣብ ፈተና መምርሒ ፍቓድ መኪና ንዝኽሰት ምትላል ንምክልኻል ዝሕግዝ እማመ ናብ መንግስቲ ቀሪቡ

መንግስቲ ኣብ መርመራ ምዝዋር መኪና ዝግበር ምትላል ንምዕጋት ዘኽእሎ እማመታት ሎሚ ከም እተቐበለ ተፈሊጡ።

ኣብ ድሕነት ትራፊክ ጠንቂ ካብ ዝኾኑ ሓደገኛ ዝንባለታት፡ ዘይሕጋዊ ስልጠናን ኣብ እዋን ፈተናታት ዝግበር ምትላልን ክኸውን እንከሎ፡ ብኻልእ ወገን ድማ ኣብ መንጎ ሕጋውያን ናይ ስልጠና ማእከላት ዘጋጥም ጥዕና ዘይብሉ ውድድር ምዃኑ ንግንዘብ ኢና ክብል መርማሪ ሚኒስትሪ ትራንስፖርት፡ ኦሎፍ ስቴይንሉን፡ ሎሚ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሩ ክብል ሬድዮ ሽወደን ሓቢሩ።

እቲ መርማሪ፡ 14 እማመታት፡ ናብ ሚኒስተር ሚኒስትሪ ትሕተ ቕርጺ፡ ቶማስ ኢንሮስ፡ ምቕራቡ ክፍለጥ እንከሎ፡ ንሕጊ ዝጥሕሱ ኣሰልጠንቲ፡ ጽንዕ ዝበለ መቕጻዕቲ ክብየነሎምን፡ ውልቃውያን ኣሰልጠንቲ ድማ ኣብ ክንዲ 15 ተመሃሮ፡ 5 ጥራይ ኣብ ሓደ እዋን ከሰልጥኑ ክፍቀዶም ዝብሉ ነጥብታት ዝሓቖፈ እዩ።

ብዘይካ’ዚ፡ ኣብ ፈተና መምርሒ ፍቓድ መኪና ንዘታልሉ ሰባት፡ ክሳብ ክልተ ዓመት ዝኣክል፡ ንፈተና መምርሒ ፍቓድ መኪና ክቐርብ ከምዘይክእል ምግባር፡ ኣብቲ ሓድሽ እማመ ካብ ዝቐረቡ ሓሳብት እዮም።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com