Friday , May 17 2024

ኣብ 2019 ቊጽሪ ግዳያት መጥቃዕቲ ብረት ዮተበሪ ምጒዳሉ ተገሊጹ።

ብመሰረት ጸብጻብ ሬድዮ ኤኮት ኣብ ዮተበሪ ዝኽሰት ዝነበረ ናህ ብረት መጥቃዕቲ ኣብ 2019 ምስ ቅድሚኡ ዝነበረ ዓመት ብምንጽጻር ኣብ ዝተሓተ ደረጅኡ ይርከብ ኣሎ ተባሂሉ። ኣብ ዓመተ 2019 ሓደ ሰብ ብብረታዊ መጥቃዕቲ ክመውት እንከሎ ኣብ መፋርቕ ታሕሳስ 12 ምቑሳሎም ዝፍለጥ ኮይኑ ኣብ 2018 ግና 11 ሰባት እዮም ብጥይት ተወቒዖም ምንባሮም ይዝከር እዩ።

ኣብ ርእሰ ከተማ ሽወደን ስቶክሆልም ካብ ዝተኸስቱ 80 ብብረት ናይ ምጥቕቓዕ ፍጻመታት 15 ሞት ዘጋጠመ ኮይኑ ኣብ ደቡባዊ ዞባ ክሳብ ነፋርቅ ወርሒ ታሕሳስ ካብ ዘጋጠሙ 65 ምትዃሳት 10 ምሟቶም ጸብጻባት ፖሊስ የመልክቱ። ኣብ ዮትርበሪ ናይ ብረት መጥቃዕቲ ዝጐደለሉ ምኽንያት እቶም ከምዚ ዝኣመሰለ ገበናት ዝፍጽሙ ባእታታት ገሊኦም ኣብ ማእሰርቲ ዝርከቡ ገሊኣቶም ከኣ ብሞት ዝተወገዱ ብምዃኖም እዩ ክብሉ ፖሊስ ሓቢሮም ኣለዉ።

ኣብ ዞባ ምዕራብ ሓላፊ ዞባዊ መርመራ ቶቢያስ በርግቪዝ ን ኤኮት ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ፖሊስ ዮተበሪ ቀዳምነታቶም ብምልላይ ኣብ ምልላይን ምህዳንን ገበናትን ዘይሕጋውያን ጒጅለታት ክነጥፉ ይግባእ ኢሉ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com