Thursday , May 16 2024
Foto: Robin Ek / TT / kod 10510

ኣንደርሶን፡ ኣብ መራኸቢ ብዙሃን፡ ዓብላልነት ኣመዝጊባ ተባሂሉ

ቐዳመይቲ ሚኒስተር ሽወደን፡ ማግዳሊን ኣንደርሶን፡ ካብቶም ኣብ መወዳእታ ርብዒ ናይ ዓመተ 2021፡ ኣብ ዜና ይኹን ኣብ መራኸቢ ብዙሃን ብብዝሒ ናብ ሜድያ ካብ ዝቐረቡ መራሕቲ ሰልፊታት እቲ ዓብላሊ ተራ ከምዝነበራ፡ ካንታር ሲፎ (Kantar Sifo) ዝባሃል ትካል ንስቫሪየስ ራድዮ ኢኮት (Sveriges Radio Ekot) ዘዳለዎ መዐቀኒ ናይ ሚድያ (The Media Meter) ኣፍሊጡ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።

 እቲ ኣብ ዜናታት ዝተራእየ ዓብላልነት፡ ክሳብ ሕጂ ካብ ዝተመዝገበ እቲ ዝለዓለ ደርጃ እዩ። እንድሕር ነቶም ኩሎም ካልኦት መራሕቲ ሰልፍታት ርኢናዮም፡ ናይ ኩሎም ተኣኪቡ ክንዲ እቲ ፍርቂ መጠን ናይቲ ሓፈሻዊ ሽፋን እዩ ዝኸውን” ክብል ፔር ሶደርፓልም ሓላፊ ትንተናታት ገሊጹ።

እዞም ጸብጻባት ሙሉእ ብሙሉእ ትጽቢተ ዘይተገብረሎም ከምዘይነበሩ ዘመላኽቱ ነጥብታት ኣለው፡ ናብ መወዳእታ ኣዋርሕ ናይቲ ዓመት ኣቢሉ ዝነበረ ናይ ባጀት መስርሕን ኣብ ዙርያ መርጫ ናይታ ቀዳመይቲ ሚኒስተር ዝነበሩ ኩነታትን ክልቲኦም ብቐጥታ ኣብ ልዕሊ ኣንደርሶንን ኣብ ልዕሊ ሶሻል ዲሚክራተናን ዝነጻጸሩ ምንባሮም ከም ምኽንያት ዝወሰዱ ምዃኖም እዩ ተሓቢሩ።

ኣብ ካልኣይ ተራ ዝተሰርዐ እቲ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ብዙሕ ትኹረት ዝሰሓበ መራሒ ሰልፊ SD፡ ጂሚ ኦኬሶን፡ ኮይኑ ንዕኡ ስዒቡ ድማ ወሃብ ቃል ናይ MP ዝኾነ ፔር ቦሉንድ ምዃኑ ተፈሊጡ’ሎ።

እቲ መጽናዕቲ ልዕሊ 985,000 ጽሑፋትን ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝልጠፉ ሓሳባትን ከምዘካተተ ክፍለጥ ተኻኢሉ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com