Wednesday , May 15 2024
Johan Nilsson / TT

ኣንጻር ኮሮና ቫይረስ ዝምዕብሉ ጸረ-ኣካላት፡ ናይ 8 ኣዋርሕ ዕድመ ክህልዎም ከምዝኽእል ሓድሽ መጽናዕቲ ሓቢሩ

ሓደ ሰብ ሕማም ኮቪድ-19 ድሕሪ ምልካፉ፡ እቶም ዘማዕብሎም ጸረ-ኣካላት፡ ንሸሞንተ ኣዋርሕ ክጸንሑ ከምዝኽእሉ ሓድሽ ኣሜሪካዊ መጽናዕቲ፡ ኣብ “ሳይነስ” ዝተባህለ መጽሔት ከምዘሕተመ SVT ሎሚ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ ሓቢሩ።

ንቫይረስ ኮሮና ንምክልኻል፡ ኣካላት’ቲ ሕሙም፡ ጸረ-ኣካላት ዘፍርዩ ቢ ዝተባህሉ ዋህዮታትን (B cells) ነቶም ብቫይረስ ዝተጠቕዑ ዋህዮታት ዝቐትሉ፡ ክልተ ዓይነት ቲ ዝበሃሉ ዋህዮታት (T cells) ብምፍራይ ምሉእ ናይ ምክልኻል ዓቕሚ ከምዘጥሪ እቲ መጽናዕቲ ሓቢሩ።

ኣካላትና፡ ንሸሞንተ ኣዋርሕ ዝጸንሕ ብቑዕ ናይ ምክልኻል ዓቕሚ ከምዘጥሪ ኣብ ሽወደናዊ ሆስፒታል ዳንደሪድ ዶክተርን ተመራማሪትን ዝኾነት ሻርሎት ቶለን፡ እኳ እንተገለጸት፡ እዚ መጽናዕቲ ኣብ ውሕዳት ሰባት  ዝተገብረ ብምዃኑ ገዚፍ መደምደምታ ምግባር ኣሸጋሪ ከም ዝኸውን ኣመልኪታ።

ጉዳይ ዕድመ ናይቶም ኣካላትና፡ ኣንጻር ኮሮና ቫይረስ፡ ዘጥርዮም ጸረ-ኣካላት፡ ክሳብ ክንደይ ከም ዝጸንሕ፡ ብወገን ተመራመርቲ፡ ዝተበጽሐ መደምደምታ ብዘይምህላዉ፡ ንመጠን ዕድመ ኣድማዕነት ክታባት ጸረ ኮሮና ዝጸሉ ምዃኑ ገሊጾም።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com