Thursday , May 16 2024

ኣካይዳ ሰልፊ ሶሻል ዴሞክራሲ ጽንክር ዝበለ ፖሊሲ ስደተኛታት ምውጻእ እዩ ክትብል ሓንቲ ሽወደናዊት ጋዜጠኛ ኣቃሊዓ።

ሰልፊ ሶሻል ዴሞክራሲ ኣጋውሉ ጽንክር ዝበለ ፖሊሲ ስደተኛታት ምውጻእ እዩ ክትብል ሓንቲ ሽወደናዊት ጋዜጠኛ ኣቃሊዓ። ብርክት ዝበሉ ኣባላት ሰልፊ ሶሻል ዴሞክራሲ፥ እንተላይ ሚኒስተር ሲቪላዊ ጒዳያት ኣርዳላን ሺካራቢን ኣማኻሪ ኤስኪልስቱና ጂሚ ጃንሰንን ኣብ ቀረባ እዋን ጽንክር ዝበለ ፖሊሲ ኣብ ልዕሊ ስደት ክግብር ምጽውዖም ተፈሊጡ።

ጋዜጣ ፎከስ ኣብ ዘውጽኣቶ ስፍሕ ዝበለ ጸብጻብ ላዕለዎት ሰብ መዚ እቲ ሰልፊ ነዚ ኣካይዳ ዘለዎም ደገፍ ምግላጾምን ንዝመጽእ ሽወደን ንክትክተሎ ዝግብኣ ዝበሎ ንድፊ ፖሊሲ ኣብ ምዝዛም ተጸሚዶም ምህላዎምን ድማ ገሊጻ። እታ መጽሄት ከም ዘመልከተቶ ሓደ ኣብላ ሰልፊ ስቫርያ ደሞክራት ቅድሚ ቀረባ መዓልታት ኣብ ናይ ፌይስቡክ ገጹ ኣብ ዘስፈሮ ጽሑፍ” ሽወደን ዝወሓዱ ስደተኛታት ክትቅበል ይግባኣ” ክብል ኣስፊሩ ኔሩ። እቶም ካልኦት ሰብመዚ’ውን ተመሳሳሊ መልእኽቲታት ዘለዎም ጽሑፋት ኣስፎሮም ምጽንሖም እታ ጋዜጣ ኣስሚራትሉ። ብመሰረት እታ መጽሄት እዚ ዝመጸ ብምኽንያት ብሰንኪ ፍሽለት ናይ ወፍሪ 2018 እዩ ኢላ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com