Sunday , May 19 2024
Credit: Maja Suslin/TT

ኣኽላባት ኣዕሩኽ እንተሃልይዎም ዝነውሐ ዕድመ ይነብሩ– ሓደ መጽናዕቲ።

ምስ ካልኦት ኣኻልብ ሕብረትን ብጻይነትን ዘለዎ ከልቢ ነዊሕን ጥዑይን መዋእል ከም ዘሕልፍ ሓደ መጽናዕቲ ገሊጹ። እዚ
ኣመሪካዊ መጽናዕቲ ልዕሊ 21 ሽሕ ወነንቲ ኣኽላባት ዘሳተፈ እዩ። ካልኦት ንጥዕናን ነዊሕ ዕድመን ከልቢ ኣገደስቲ ተባሂሎም
እተጠቕሱ ረቛሒታት ዓቕሚ ፋይናንስ ስድራቤት ፡ ዕድመ ዋናን ብዝሒ ቆልዑን እዮም። ብዙሓት ቆልዑ ዘለዉዎም ስድራቤታት ን
ኸልቦም ብዙሕ ግዜ ስለ ዘይህልዎም፥ ጥዕና ኣኻልብ ከም ዝህሰ እቲ መጽናዕቲ ኣጣሊሉ’ሎ። ማሕበራዊ ተነጽሎ ካብ ወልፊ
ሽጋር ብዝኸፍአ ንጥዕና ሰባት ሃሳዪ ምዃኑ ኣቐዲምምም ዝተኻየዱ ጸብጻባት የመልክቱ። ኣብ መንጎ ኣኽላባትን ደቂ ሰባትን
ዘሎ ተመሳሳልነት ኣዝዩ ዘደንቕ እዩ ትብል፥ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሕርሻ ሳይንስ ሽወደን ፕሮፌሰር ድሕነት እንስሳታት ሊንዳ ኪሊንግ፡ ።

Credit: Maja Suslin/TT

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com