Friday , May 17 2024

ኣውሮጳውያን ካብ መጥቃዕቲ ግብረ-ሽበራውያን ንላዕሊ ምልዋጥ ክሊማ ከም ዘስግኦም ተገሊጹ።

ልዕሊ ፍርቂ ኣውሮጳውያን ካብ ካብ መጥቃዕቲ ግብረ-ሽበራውያንን ስእነት ስራሕን ንላዕሊ ምልዋጥ ክሊማ ከም ዘስግኦም ተገሊጹ። ብሓሙስ ኣብ ዝተገብረ መጽናዕቲ ባንክ ወፍሪ ኣውሮጳ ሓገግቲ ኣካላት ኣውሮጳዊ ሕብረት “ክሊማዊ ናይ ህጹጽ እዋን ኣዋጅ” ክድንግግ ከም ዝኽእል ተፈሊጡሎ። እዚ ንዝመጽእ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ከም ምልክት ከገልግል እዩ ተባሂሉ’ሎ።

እቲ ባንክ ካብ 30 ሃገራት( እንተላይ ቻይናን ኣመሪካን) ናይ ዝመጹ 30 ሽሕ ሰባት ኣብ ዝገበሮ ዳህሳስ 47 ሚእታዊት ኣውሮጳውያን እቲ ቀዳማይ ኣስጋኢ ክስተት ጌሮም ከም ዝርእይዎ፥ አረ ካብ ስእነት ስራሕ፥ ምብዛሕ ስደተኛታትን ግብረሽበራዊ መጥቃዕቲን ንላዕሊ ከም ዘስግኦም ኣረጋጊጹ። ምክትል ፕረዚደንት ባንክ ወፍሪ ኣውሮጳ ኤማ ናቫሮ ” ኣውሮጳውያን ክሊማዊ ለውጢ ኣብ ናይ ሕጂን ናይ መጻኢ ህይወቶምን ብዛዕባ ዝህልዎ ጽልዋ ብዙሕ እዮም ዝሰግኡ” ክትብል ገሊጻ’ላ።

ኣውሮጳዊ ሕብረት ዝውንኖ ባንክ ኣብ ዓለም እቲ ዝዓበየ ኣህጒራዊ ህዝባዊ ናይ ለቓሕ ትካል ኮይኑ ኣብ ምክልኻል ክሊማዊ ለውጢ ንዝግበሩ ወፍሪታት ቀዳምነት ብምሃብ እዩ ዝንቀሳቐስ። ብመሰረት እዚ ዳህሳስ ኣብ ቻይናውያን ዘሎ ሻቕላ ክሊማዊ ምልዋጥ ካብ ናይ ኣውሮጳውያን ዝለዓለ እዩ። ኣብ ኣመሪካ ናብ 39 ሚእታዊት ካብ ህዝቢ እዚ ስግኣት ከም ዘለዎም እውን ተመዝጊቡ’ሎ። በጠቓላሊ 82 ሚእታዊት ኣውሮጳውያን ምልዋጥ ክሊማ ኣብ መዓልታዊ ህይወቶም ጽልዋ ኣለዎ ኢሎም ከም ዝኣምኑ፥ 98 ሚእታዊት ቻይናውያን ተመሳሳሊ ስግኣት ከም ዘለዎምን 76 ሚእታዊት ኣመሪካውያን ከኣ ነዚ ስግኣት ከም ዝካፈልዎን ተመልኪቱ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com