Friday , May 17 2024

ኣውሮፓዊ ሕብረት፡ ንእማመታት ኢሚግሬሽን ክዝቲ ጀሚሩ

ሚኒስተራት ውሽጣዊ ጉዳያት ሃገራት ኣውሮፓዊ ሕብረት፡  ነቲ ብሽወደናዊት ኮሚሽነር ዑቕባን ውሽጣዊ ጉዳያትን፡ ኤልቫ ዮሃንሶን ዝቐረበ እማመ ኢሚግሬሽን ንምዝታይ ሎሚ ኣብ ርእሰ ከተማ በልጄም፡ ብራስለስ፡ ከም እተረኽቡ ተፈሊጡ። ዮሃንሶን፡ ብዛዕባ ዘቕረበቶ እማመ ኣመልኪታ፡ ተሳተፍቲ ወገናት ክሰማምዕሉ ተስፋ ከም ዘለዋ ገሊጻ ክብል ኣገልግሎት ዜና TT ሓቢሩ።

ዋላ’ኳ ኩለን ሃገራትን ባይቶታትን ሓደ ዓይነት ኣጠማምታ ክህልወን ይኽእል እዩ ዝብል እምነት እንተዘይብለይ፡ ንዘቕርቦ እማመ ክቕበላ ይኾና እየን ዝብል ተስፋ ግና ኣሎኒ ክትብል ን ሬድዮ ሽወደን ኣብ ዝሃበቶ ቃል ጠቒሳ።

ፕረዚደንት ኤውሮፓዊ ሕብረት ዝኾነት ጀርመን ብወገና፡ ተመሳሳሊ ተስፋ ከም ዘለዋ ገሊጻ’ላ።

ኩሎም ወገናት፡ ኮፍ ኢለን ናይ ምዝታይ ባህጊ ከምዘለወን ይዕዘብ ኣለኹ ክትብል ዮሃንሰን ገሊጻ። ንዘቕረብናዮ እማመታት ዝቕበሉን ኣብነታዊ እዩ ዝብልዎን ሸነኻት ኣለዉ ክትብል፡ ዮሃንሶን፡ ብተወሳኺ ገሊጻ።

እዚ ብዮሃንሶን ዝቐረበ እማመ፡ ሕቶ ዑቕባ ዝተነጽጎም ስደተኛታት ብዝቐልጠፈ ናብ ሃገሮም ዝምለስሉ ኩነታት ምጥጣሕ፡ ሕጊ ዳብሊን ንኽስረዝን ሃገራት ኤውሮፓዊ ሕብረት ብማዕረ ስደተኛታት ዝቕበላሉ ኣገዳዲ ሕጊ ክህሉ ዝብል ነጥብታት ዝሓቖፈ ምዃኑ ይዝከር።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com