Wednesday , May 15 2024
Australian Health Minister Greg Hunt (Lukas Coch/AAP Image via AP) SYD801

ኣውስትራልያ፡ ሳልሳይ እብረ ክታበት ዝውሰደሉ ግዜ ተሕጽር

ኣውስትራልያ፡ ነቲ ኣብ ሞንጎ እቲ ካልኣይ እብረ ክትባት ናይ ኮቪድን ሳልሳይ እብረ ክትባት  ዝዋሃበሉ ናይ ግዜ ፍልልይ ክሓጽር ከምዝገበረት ተሓቢሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።
ቅድም ክብል፡ ኣብ ሞንጎ ክትባታት ናይ 5 ወይ 6 ኣዋርሕ ፍልልይ ክህሉ ከምዝግባእ ክሕበር እኳ እንተጸነሐ፡ ካብ መፈለምታ ናይቲ ዝመጽእ ዘሎ ዓመት ግና ሳልሳይ እብረ ክትባት ንምውሳድ፡ 4 ኣዋርሕ ጥራሕ ፍልልይ ክህሉ ከምዘድልይ ክፍለጥ ተኻኢሉ’ሎ።
“እዞም ናይ ግዜ ገደባት ኣብ ተግባር ክውዕሉ ዝተገብሩ፡ ህዝቢ ኣውስትራልያ ብኣግኡ ሓለዋ ምርካቡ ንምርግጋጽ ተባሂሉ ኣዝዩ ውሕሉል ብዝኾነ ጥንቃቐ እዩ” ክብል ሚኒስተር ጥዕና፡ ግሬግ ሃንት፡ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣፍሊጡ።
ብርክት ዝበሉ ግዝኣታት ናይታ ሃገር፡ ነቶም ሰብ መዚ ፌደራል መንግስቲ፡ እዚ ሓድሽ ኦሚክሮናዊ ጅር ኣብታ ሃገር ኣዝዩ ስለዝተስሕፈሐ፡ ኣብ ሞንጎ እቶም ዝተፋላለዩ እብረታት ናይ ክታበት ዘሎ ግዜ ንኽሓጽር ለበዋ ከምዘቕረቡ ክፍለጥ ተኻኢሉ’ሎ። ኣብ ሞንጎ ካልኣይን ሳልሳይን እብረታት ዘሎ ናይ ግዜ መጠን ካብ 6 ናብ 5 ኣዋርሕ ንኽጎድል ዝተገብረ’ውን ኣብዘን ዝሓለፋ 2 ሳምንታት ምዃኑ ይዝከር።
ልዕሊ 16 ዓመት ዝዕድሜኦም ልዕሊ 90% ዝኾኑ ህዝቢ ናይታ ሃገር፡ ድሮ ክልተ እብሪ ክትባት ከምዝወሰዱ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com