Thursday , May 16 2024

ኣገልግሎት ቲኬት (SL) ከተማ ስቶክሆልም ምጥቃዕቲ ሳይበር ኣጋጢምዎ!!

ኣገልግሎት ቲኬት ስቶክሆልም ናይ ሳይበር መጥቃዕቲ ከም ዝወረዶን ናይ መመዝገቢ ስርዓቱ ከም ዝተዛብዐን ተገሊጹ። ትሕተ ምድራዊ መርበብ ሽወደን SL ብምኽንያት መጥቃዕቲ ሳይበር ቴክኒካዊ ብልሽት ከም ዘጋጠሞ ሰብመዚ ሓቢሮም። ካብ ዓርቢ ሰዓት 12 ጀሚሮም ዓማዊል ነቲ መርበብ ሓበሬታ ክረኽብዎ ዘይምኽኣሎምን ቲኬት ከቚርጹ ከም እተጸገሙን ድማ ተሓቢሩ።

“ናይ ሳይበር ሓደጋ ወዲቑና’ሎ። ከነዐርዮ ንፍትን ኣሎና፥ ዛጊት ግና ኣይሰለጠናን” ክትብል በዓልቲ መዚ ፕረስ ኤለን ሊንድስትሮም ገሊጻ’ላ። እቲ ሽግር ከም እተለለየ እንተኾነ ከምዚ ዝበለ ምድፋር እቲ ኲባንያ ኣጋጢምዎ ከም ዘይፈልጥ ድማ ተሓቢሩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com