Friday , May 17 2024
Afghan women chant during a protest in Kabul, Afghanistan, (AP Photo/Ahmad Halabisaz) DV102

ኣፍጋኒስታን . . . ደቀንስትዮ ኣብ ድራማ ተሌቪዥን ከይቀርባ: ጣሊባን ሓጊጎም

ደቀንስትዮ ኣብ ድራማ ተሌቪዥን ከይቀርባ መንግስቲ ጣሊባን ዘውጽኦ ሓድሽ ሕጊ ከልኪሉ’ሎ። ብዘይካዚ ደቀንስትዮ ጋዜጠኛታትን ኣቕረብቲን ተሌቪዥን እታ ሃገር ብግቡእ ክሽፈና ከም ዘለወን እቲ ሕጊ ኣቐሚጡ’ሎ። እቲ ዓይነት ምሽፋን ከመይ ክኸውን ከም ዘለዎ እቲ ሕጊ ዛጊት ኣየብርሀን ኣሎ። እቲ ሕጊታት ዘይብሩህን ንዝተፈላለዩ ትርጒማት ክፉት ክኸውን ከም ዝኽእልን ጋዜጠኛታት ኣታ ሃገር ይገልጹ ኣለዉ።

ጣሊባን: ኣብ ወርሒ ነሓሰ ንመላእ ኣፍጋኒስታን ድሕሪ ምቊጽጻሮም: ኣብታ ሃገር ጽንክር ዝበሉ ሕግታት ምትእትታው ምቕጻሎም ካብታ ሃገር ዝወጹ ጸብጻባት የመልክቱ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com