Friday , May 17 2024

ኤርትራ ሓንቲ ካብተን 5 ስደተኛታት ኣገዲድካ ዘይትመልሰለን ሃገር እያ ተባሂሉ::

ላዕለዋይ ሓላፊ ፖሊስ ክፍሊ ምክትታል ዶባት ዝኾነ ፓትሪክ ኢንግስትሩም ሎሚ መዓልቲ  ምስ ረድዮ ሽወደን ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት ኤርትራ ሓንቲ ካብተን ዜጋታታ ኣገዲድካ ክትመልሰለን ዘይከኣላ ሃገራት ምኻና ሓቢሩ::

እሱ ዘረብኡ ብምቅጻል ዜጋታት ኤርትራ ዝርከብዎም ሓሙሽተ ሃገራት ዜጋተተን ብወለንተኦም እንተዘይኮይኑ ኣገዲድካ ክትመልስ ከምዘይካኣል ብምግላጽ ምስ ወከልቲ እዘን ሃገራት ዝኾኑ ኣምበሳደራት ዝርርብ ክጅመር ምኻኑ ኣተንቢሁ::


በጀካ ኤርትራ እተን ዝተረፋ ሃገራት ዒራቅ፥ኢራን ሶማልያን ሊባኖስን ምኻነን ተገሊጹ::


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com