Friday , May 17 2024
Foto: Terje Bendiksby / NTB

ኤርና ሶልበርግ መጽሓፍ ከተሕትም እያ።

ኤርና ሶልበርግ፡ ኣብ ዝመጽእ ዓመት እተሕትማ መጽሓፍ ትጽሕፍ ኣላ። ናብ ዕዳጋ ሽቕለት ዝያዳ ሰባት ብኸመይ ክጽንበሩ ይኽእሉ ዝብል ኣርእሰተ ነገር ቀንዲ ትሕዝቶ እዛ መጽሓፍ እዩ ተባሂሉ’ሎ።

“ንሕና ብዕድመ እናደፋእና ንመጽእ ምህላውና ጽብቕ እዩ፡ እንተኾነ ግና እዚ ኣዝዩ በዳሂ እዩ ክኸውን፡፡ ምኽንያቱ፡ ኣብ ኖርወይ ዕድመ ናይቶም ኣብ ስራሕ ዝዋፈሩ ሰባት እናተሸምረረ እዩ ዝመጽእ ዘሎ። እዚ ብድሆ፡ ምስ ገንዘብ ዘይኮነ ምስ ጡረታ ዝተኣሳሰር እዩ። ኖርወይ፡ ብመሰረቱ ናይ ገንዘብ ሽግር የብላን” ክትብል ሶልበርግ ንጋዜጣ VG ሓቢራ’ላ።

ኖርወይ ክሰርሑ ንዝደልዩን ሓገዝ ክትቅርብ፡ ከምኡ’ውን ኲባንያታት ኣብ ክሊ ዕድመ 50-60 ንዘለዉ ኣዎንታዊ ኣረኣእያ ክህልዎም ይግባእ እዩ፡ ኢላ ከም እትኣምን ወሲኻ ገሊጻ’ላ። ኖርወጃውያን ዝጥወርዎ ግዜ ኣመና ይነውሕ ኣሎ፡ ዝብል ቅረታ ከም ዘለዋ እዋን ጠቒሳ’ላ።

ሶልበርግ መጽሓፍ ከተሕትም ሕጂ ንኻልኣይ ግዜኣ ኮይኑ፡ ኣብ 2011 “People, not Billions” ዝተባህለት መጽሓፍ ኣሕቲማ ምንባራ ዝዝከር እዩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com