Friday , May 17 2024

ኤርዶጋን ንሰነድ ሕቶ ኣባልነት ሽወደን ናብ ኔቶ ከቲሙ

Credit: ADEM ALTAN/AFP

ቱርክ፥ ዝሓለፈ ሓሙስ ንሕቶ ኣባልነት ሽወደን ናብ ኔቶ ብወግዒ ከምዘጽደቐቶ፥ ፕረዚደንት እታ ሃገር ረሲፕ ጠይብ ዔርዶጋን ከኣ ኣብ መጀመርታ ናይዚ ሰሙን ነቲ ናይ ደገፍ ሰነድ ምኽታሙ፥ ማዕከን ዜና ሮይተርስ ሓቢራ። በዚ ድማ፥ ሕጂ ሃንጋሪ ንምጽንባር ሽወደን ናብ ኔቶ ዘየረጋገጸት እንኮ ኣባል እቲ ውድብ ኮይና ትቕጽል ኣላ። ቀዳማይ ሚኒስተር ሽወደን ኡልፍ ክሪስተርሾን፡ ቱርክ ነቲ ሕቶ ኣባልነት ምጽዳቓ ብሓጎስ ብምቕባል፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኤክስ ”ሽወደን ናብ ኣባልነት ኔቶ ኣብ እትገብሮ ዘላ ጒዕዞ ሓደ ኣገዳሲ ምዕራፍ ተበጺሑ ኣሎ” ኢሉ። ድሕሪ ናይ ኣስታት ክልተ ዓመት ልዝብ ፡ ቱርክ ሽወደን ናብ ወተሃደራዊዊ ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ ኔቶ ክትጽንበር ምድጋፋ
ፕረዚደንት ቱርኪ ረሲፕ ጠይብ ኤርዶጋን ብዙሕ መኽሰብ ምርካቡ ፡ ኣብ ሬድዮ ሽወደን ወኪል ማእከላይ ምብራቕ ነበር ዮሃን ማትያስ ሶማርስትሮም ይገልጽ። “ኣነ ዔርዶጋን በዚ ስምምዕ ኣዝዩ ዕጉብ እዩ ይመስለኒ፡ ምኽንያቱ ይብዛሕ ይውሓድ ዝደልዮ ረኺቡ እዩ ይብል ሶማርስትሮም። ዔርዶጋን ሃገሩ ከም መጠን ኣባል ኔቶ ዘለዋ ድምጺ ብድምጺ ናይ ምውዳቕ ስልጣን ብምጥቃም ሽወደን ን ፖለቲካዊ ድልየታት ቱርክ ክትፍጽም ዓብዪ ጸቕጢ ከሕድር ምጽንሑ፥ ገለ ለውጢታት ክግበር ከኣ ምድራኹ ሶማስትሮም ጠቒሱ’ሎ። ቀዳማይ ሚኒስተር ክሪስተርሶን፡ ፕረዚደንት ኤርዶጋን ዝሓለፈ ሓሙስ ንሕቶ ኣባልነት ሽወደን ምጽዳቑ ከምዘሐጎሶ ገሊጹ እዩ። ሕጂ ነቲ ሕቶ ዘየጽደቐት ሓንቲ ሃገር ጥራይ እያ ተሪፋ ዘላ–ንሳ ኸኣ ሃንጋሪ እያ። ቀዳማይ ሚኒስተር ሃንጋሪ ቪክቶር ኦርባን ዝሓለፈ ሰሙን ምስ ሽወደናዊ መዘንኡ ክዘራረብ ጸዊዑ’ሎ። ክሪስተርሶን ግና ሽወደን ኣባል ኔቶ ምስ ኮነት ክልቲአን ሃገራት ብኸመይ ብሓባር ክሰርሓ ከምዝኽእላ ኣብ ዝመጽእ ሰሙን ክዛተየሉ ቊሩብ እኳ እንተኾነ፡ እቲ ዝርርብ ንባዕሉ ንኣባልነት ኔቶ ዝምልከት ልዝብ ከምዘይከውን ገሊጹ’ሎ። ዋና ጸሓፊ ኔቶ የንስ ስቶልተንበርግ ዝሓለፈ ዓርቢ ዝሃቦ መግለጺ፡ ባይቶ ሃንጋሪ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ለካቲት ዳግማይ ኣብ ዝእከበሉ እዋን፡ እታ ሃገር ነቲ ሕቶ ከተጽድቕ ትጽቢት ከም ዘለዎ ሓቢሩ’ሎ። ንፖለቲካ ሃንጋሪ ብቐረባ እትከታተል ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሉንድ ነባር መምህር መጽናዕቲ ኤውሮጳ ኣናማርያ ዱትቸክ ሰገስተን፡ “እቲ ብወገን ሃንጋሪ ዝቐረበ ጠለባት ምስቲ ኣዝዩ ጭቡጥ ጠለባት ቱርኪ ክነጻጸር ከሎ ምሳልያዊ ምዃኑ”፥ በዚ ድማ እታ ሃገር ክንድዚ ምድንጓያ ከም ዘገረማ ገሊጻ’ላ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com