Thursday , May 16 2024
The European Medicines Agency (EMA) expects to approve the US Novavax vaccine against COVID-19 before the end of the year. (AP Photo/Alastair Grant, File) NY319

ኤውሮጳዊ በዓል መዚ መድሃኒት፡ ሓሙሻይ ክታበት ከፍቅድ እዩ

ኣብ ምጅማር ናይ ዝቕጽል ዓመት፡ ኤውሮጳዊ በዓል መዚ መድሃኒት (The European Medicines Agency-EMA) ሓሙሻይ ፍርያት ክታበት፡ ከጽድቕ ትጽቢት ከምዝግበረሉ፡  ሰበ-ስልጣን እቲ በዓል መዚ ገሊጾም ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።
እቲ ፍርያት ኖቫቫክስ ዝኾነ ክታበት፡ ካብቶም ቅድሚ ሕጂ ኣብ ዕዳጋ ቐሪቦም ዝነበሩ ካልኦት ክታበታት ፍልይ ብዝበለ ዓይነት ቴክኖሎጂ እዩ ተሰሪሑ። ከም ጸብጻብ Pharmaceutical World, እዚ ክታበት’ዚ ካብ ፕሮቲናዊ ነገራት ዝተሰርሐ ኾይኑ፡ ካብቲ ናይቲ ቫይረስ ፕሮቲን ካብ ዝተወስደ ክፋል ኣብ ላቦራቶሪ ክፈርይ ዝተገብረ ክታበት እዩ። ብተወሳኺ’ውን እቲ ክታበት ነቲ ናይ ሰውነትና ካብ ሕማም ዝካላኸል ክፋል ኣንጻር እቲ ቫይረስ ተወሳኺ ዓቕሚ ክህብ ዝኽእል ፍልይ ዝበለ ዓይነት መበራትዒ ኣለዎ።
ኖቫቫክስ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሕዳር እዩ፡ ተቐባልነት ንኽረክብ ናብ ኤውሮጳዊ በዓል መዚ መድሃኒት (EMA) ፍርያቱ ዘቕረበ። ነዚ ሕቶ ተቐቢሉ ድማ ኣብ ልዕሊ’ቲ ክታበት፡ ንዝተወሰነ ግዜ ገምጋም ድሕሪ ምክያድ፡ EMA፡ ቅድሚ ሓድሽ ዓመት ምእታው፡ እዚ ክታበት ናብ ዕዳጋ ንኽበጽሕ ፍቓድ ዝህበሉ ተኽእሎ ከምዘሎ ተፈሊጡ’ሎ።
 ኮሚሽን ኣውሮጳ 200 ሚልዮን ዝኸውን ክታበት ካብ ኖቫቫክስ ኣቐዲሙ ከምዝጠለበ ክፍለጥ ተኻኢሉ’ሎ። ካብዚ ድማ እቲ 2.2 ሚልዮን ዝኸውን መንግስቲ ሽወደን ክወስዶ ውዕል ዝኣተወሉ ምዃኑ ተገሊጹ’ሎ።

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com