Friday , May 17 2024

ኤውሮፓዊ ሕብረት፡ ምስ ኣስትራ ዘለዎ ውዕል ኣይከናውሖን እዩ ተባሂሉ

ኤውሮፓዊ ኮሚሽን፡ ኣብ ዝቕጽል ዓመት፡ ክታበት ኮቪድ-19 ንኽቕርባ ምስ ኩባንያታት ኣስትራ ዘነካን ጆንሶንን ዝነበሮ ውዕል ከምዘየናውሕ፡ ኢጣልያዊት ጋዜጣ ላ ስታምፓ፡ ካብ ሚኒስትሪ ጥዕና ኢጣልያ፡ ዝረኸበቶ ምንጪ ብምጥቃስ ሓቢራ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ።

እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ድማ፡ እቲ ክታበት ኣብ እዋኑ ንኸይርከቦም ዘጋጥሙ ምድኑጓያትን ነቲ ሓድሽ ጅር ኮሮና ብግቡእ ክፍውሶ ብዘይምኽኣልን ምዃኑ፡ ኤውሮፓዊ ኮሚሽን፡ ይገልጽ።

ኤውሮፓዊ ኮሚሽን፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ብ mRNA ዝፍለጥ ብፋይዘርን ሞደርናን ዝኣመሰላ ኩባንያታት ዝፈሪ ክታበት ዝያዳ ኣቶክርኡ ክገብር ምዃኑ ሓቢሩ።  


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com