Friday , May 17 2024

ኤውሮፓዊ እማመ ስደት፡ ንሓተቲ ዑቕባ ኣብ ትሕቲ ቐይዲ ከእቱ ዝኽእል ውሳነ እዩ ተባሂሉ

ኣብ ኤውሮፓዊ እማመ ስደት ተጠቒሱ ከምዘሎ፡ ንሕቶ ዑቕበኦም ዝተነጽገ ስደተኛታት፡ ብቕልጡፍ ናብ ሃገሮም ምምላስ ዝብል ነጥቢ፡ ንኽትግበር፡ እቶም ስደተኛታት፡ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ (ማእሰርቲ) ክጸንሑ ዘገድድ መስርሕ ክሓልፉ እዮም። እዚ ከምዚ ዓይነት ኣገባብ፡ ቅቡል ኣይኮነን፡ ክብሉ ብርክት ዝበሉ ሽወደናውያን ክኢላታት ከምዝተዛረቡ ሬድዮ ሽወደን ሓቢሩ።

እቲ ሓድሽ እማመ ከምዝሕብሮ፡ ሓደ ስደተኛ፡ ኣብ ዶባት ኤውሮፓዊ ሕብረት መጺኡ ሕቶ ዑቕባ ምስ ዘቕርብ፡ ኣብ ውሽጢ 5 መዓልታት፡ ኣሰር ኣጻብዕቱ ይውሰድ፡ መንነቱ ይረጋገጽ፡ ኣብ መዝገብ ኤውሮፓዊ ሕብረት ይምዝገብን ጸጥታውን ጥዕናውን መርመራታት ይካየደሉ ዝብል እዩ። ሕቶ ዑቕባ ናይቲ ስደተኛ ቅቡል ንኽኸውን ትሑት ዕድል እንተ ሃልዮዎ፡ ኣብ “ቅልጡፍ” ዝበሃል መስርሕ ይኣቱ። እዚ መስርሕ፡ ምስ ናይ ይግባይ እዋን ወሲኽካ፡ ክሳብ ናይ 12 ሳምንታት ግዜ ዝወስድ እዩ። ብድሕሪ’ዚ እቲ ስደተኛ ኣብ ውሽጢ ተወሳኺ 12 ሳምንታት ናብ ሃገሩ ከምዝምለስ ይግበር።

እዚ ዝሕሰብ ዘሎ እማመ፡ ተግባራዊ ንኽኸውን፡ ከሸግር እዩ። ምኽንያቱ፡ ብዙሓት ሓተቲ ዑቕባ፡ ንዜግነቶም ዝሕብር ሰነዳት ከይሓዙ ስለዝመጹ፡ ኩነታቶም ንምግምጋምን ናብ ዓዶም ንኽትመልሶም ዝካይድ መስርሕ ከቢድ ክኸውን እዩ ክብል ሓላፊ ፖሊስ ዶባት ሽወደን፡ ፓትሪክ ኢንግስሮም ገሊጹ።

ነቶም ካብ ሊብያ ዝመጹ ስደተኛታት፡ ኣብ ውሽጢ እዘን ተጠቒሰን ዘለዋ 5 መዓልታት፡ ጥዕናዊ መርምራታት ከተካይደሎም ኢልካ ምሕሳብ፡ ካብ ክውንነት ዝረሓቐ እዩ። ምኽንያቱ፡ ብኸቢድ ኣካላውን ስነኣእምራውን ጾታውን በደላት ዝሓለፉ ሰባት ስለዝኾኑ። ናብ ሃገሮም ክምለሱ እንተ ኮይኖም ድማ፡ ንሳምንታት ዝኣክል ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ክጸንሑ ክግደዱ እዮም፡ እዚ ድማ ንሕጊ ኤውሮፓዊ ሕብረትን ኣህጉራዊ ሕጊን ዝጥሕስ እዩ ክትብል ኣብ ኮሚሽን ኤውሮፓዊ ሕብረት ንጉዳይ ስደተኛታት ዝሰርሐት ክኢላ ስደት ዝኾነት ዩልያ ላጋና፡ ሓቢራ።

ነዚ እማመ ዘቕረበት፡ ኣብ ኤውሮፓዊ ሕብረት፡ ኮሚሽነር ስደትን ውሽጣዊ ጉዳያትን ዝኾነት ሽወደናዊት ኢቫ ዮሃንሰን ብወገና፡ እቲ ዘቕረበቶ እማመ፡ ብዓይኒ ሕጊ ቅቡል ምዃኑን ክትግበር ዝኽእልን እዩ ክትብል ሓቢራ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com