Thursday , May 16 2024

ኤጀንሲ መጓዓዝያ ድሕሪ ኣብ ተሳፈርቲ ዘጋጠመ ባርዕ ኣብ ህዝባዊ ኣገልግሎት መጓዓዝያ ዝያዳ ውሕስነትን ድሕነትን ክህሉ ጻውዒት ጌሩ።

እቲ ብመርመራ መንግስቲ ዝተኻየደ ጸብጻብ ብጋዝ ዝንቀሳቐሳ መካይን ከቢድ ሓደጋ ከስዕባ ከም ዝኽእላ ኣመልኪቱ’ሎ። ኣብ ቀረባ እዋን ተመሳሳሊ ሓደጋታት ምንባሮም ዝሓበረ እቲ ጸብጻብ ኣብ ወርሒ መጋቢት ናይዚ ዓመት ኣብ ማእክል ከተማ ስቶኮልም ኣብ ውሽጢ ኣውቶቡስ ናይ ጋዝ ምትኳስ ምግጣሙን ተሳፈሪ ብዘይምንባሮም ኣብ መራሒ መኪና ንእሽቶ ጉድኣት ምውራዱ ገሊጹ፡ እቲ ጸብጻብ መራሕቲ መካይን ከምዚ ዓይነት ሽግራት ንምግጣም ዘኽእሎም ኣገባብ ክዓጥቁን ኣብ ገሊኡ ከባቢታት መጠን ፍጥነት ንምቊጽጻር ሓጹራት ክዳሎን ተላብዩ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com