Thursday , May 16 2024

እገዳ ምውሳድ ዉሳኔታት extratjänster ን introduktionsjobb ተላዒሉ።

ካብ ጥሪ 2019 ዉሳኔ ምውሳድ ፕሮግራም extratjänster ን introduktionsjobb ደው ኢሉ ከምዝጸንሓ ይፍለጥ እዩ። እቲ ቀንዲ ምኽንያት ድማ ድሩት ባጀት ቤት ጽሕፈት ዕዮ ኣብ ዓመተ 2019 ምንባሩዩ። ኣብዚ እዋን እቶም ክውሰዱ ዝነበሮም ዉሳነታት extratjänster ን introduktionsjobb ኣዝዮም ስለዝጎደሉ በዚ ዘሎ ናይዚ ዓመት ባጀት ወላውን ናይ ዝመጽእ ዓመት ነቶም ዝድለዪ ዓቀን ዉሳኔታት ምውሳድ ዘክእል ስለዝኮነ ፡ ካብዚ ብምብጋስ ድማ ቤት ጽሕፈት ዕዮ እገዳ ምውሳድ ዉሳኔታት extratjänster ን introduktionsjobb ኣልዒልዎ ከምዘሎ ይሕብር።
ጸብጻባት እቲ ቤት ጽሕፈት ከምዝሕብርዎ እቲ እገዳ ኣብ ጥሪ 2019 ክውሰድ ከሎ ኣስታት 20000 ዉሳነታት extratjänster ምንባሮምን ኣብዚ እዋን ግን ናብ 6000 ከምዝነከየን፥ እዚ ድማ ትሕቲ እቲ ክሽፍኖ ዝክል ዘሎ ዓቅሚ ባጀትዩ። ኣብዚ እዋን ድማ ክሳብ ኣስታት 8300 ዉሳነታት extratjänster ን ምውሳድ ዘክእል ባጀት ዓቅሚ ኣሎ። ብተመሳሳሊ እውን ዉሳነታት introduktionsjobb ናብ ባጀት ዝፈቅዶ ብዝሒ ከምዝነከዩን እቲ ጸብጻብ ይሕብር።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com