Wednesday , May 15 2024
A man looks on as flood waters sweep by in Bozkurt town of Kastamonu province of Turkey (IHA via AP) ANK801

ከተማታት ቱርኪ ብውሕጅ የዕለቕልቓ

ኣብ ሰሜን ቱርኪ ኣውራጃ ካስታሞኑ ብዝተኸስተ ውሕጅ ብውሕዱ 27 ሰባት ምሟቶም ሚኒስትሪ ሓደጋታት እታ ሃገር ገሊጹ።

 

ብዘይካ ካስታማኑ ኣውራጃታ ባርቲን ሲነፕን ብላክ ሲን ተጸልየን ኣለዋ ተባሂሉ። በዚ ሓደጋ ድልድላትን መንገድታትን ምዕናዉን ናይ መድሕን ዕዮ ብሄሊኮፕተር ይሳለጥ ምህላውን ተሓቢሩ። ኣብ ከተማታት ብርቱዕ ውሕጅ ብጎደናታት ክገማዳሕ ብ ተሌቪዥን እታ ሃገር ተራእዩ ኣሎ።

 

ኣብ ሰሜን ቱርኪ ብፍላይ ብርቱዕ ዝናብ ኣብ ዝህልወሉ እዋን ውሕጅ ዝውቱር ተርእዮ ምዃኑ ዝፍለጥ እዩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com