Wednesday , May 15 2024
STOCKHOLM 20210703 En stängd Coop butik i Stockholm på lördagen. Foto: Ali Lorestani/ TT / kod 11950

ኩባንያ ኩፕ፡ ኣገልግሎት ክህብ ክጅምር እዩ

ብሰንኪ ብሰርሰርቲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ሳይበር፡ ካብ ዓርቢ ምሸት ጀሚሩ ክሳብ ትማሊ ሰኑይ ኣብ ዝነበረ ግዜ፡ ኣስታት 800 ጨናፍር ናይ ኩባንያ ኩፕ ኣገልግሎት ካብ ምሃብ ደው ኢለን ምጽነሐን ዝፍለጥ ኮይኑ ካብ ሎሚ ሰሉስ ጀሚረን ግን ገለ ክፋል ጨናፍር ናይቲ ኩባንያ ኣገልግሎት ክህባ ጀሚረን ከምዘለዋ ወሃብ ቃል እቲ ኩባንያ ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ።

እቲ ዘጋጠመ መጥቃዕቲ፡ ካብ ማእከላይ ቦታ ናይቲ ኩባንያ ኮንካ ክፍታሕ ብዘይምኽኣሉ፡ ናብተን ጨናፍር እናኸድካ ነቲ ዘጋጠመ ጸገም ከምዝፍታሕ ይግበር ኣሎ። ኣብቲ መስርሕ ጽገና፡ 100 ክኢላታት ተዋፊሮም ከምዘለዉን ልዕሊ ፍርቂ ብዝሒ ናይተን ኣብ መላእ ሽወደን ዝርከባ ጨናፍር ኩባንያ ኩፕ፡ ሎሚ ሰሉስ፡ ኣገልግሎት ክህባ ክጅምራ ምዃነን፡ ወሃብ ቃል’ቲ ኩባንያ፡ ጣሪቕ በልቃዲ፡ ሓቢሩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com