Thursday , May 16 2024
(AP Photo/Jeff Chiu, File) NY606

ኩባንያ ጉግል፡ ኣብ ኣውስትራልያ፡ ናይ 740 ሚልዮን ዶላር ወፍሪ ክገብር እዩ

ኣብ ዝቕጽል ሓሙሽተ ዓመታት፡ ኩባንያ ጒግል፡ 740 ሚልዮን ዶላር ዝዋግኡ ወፍሪ፡ ኣብ ኣውስትራልያ፡ ክገብር ምዃኑ ተገሊጹ።

እዚ ወፍሪ፡ ንምቛም ማእከላት ምርምርን ምስ ውድባት እታ ሃገር ንዘሎ ሽርክነት ንምምዋልን ክውዕል ምዃኑ ተገሊጹ’ሎ። እዚ Digital Future Initiative ዝተሰምየ ወፍሪ፡ ን 6000 ሰባት፡ ናይ ስራሕ ዕድላት ክፈጥርን ን 28000 ሰባት ከኣ ደገፍ ክህብ እዩ ዝብል ትጽቢት ተጌርሉ’ሎ።

ኣውስትራልያ፡ ናይ መጻእ ማእከል ምህዞታት ብምዃን ህይወት ሰባት ንምምሕያሽ፥ ስራሕ ንኽፍጠርን ምዕባለ ንኽረጋገጽን ክትሕግዘና እያ” ክብል ሓላፊ ትካል ጒግል፡ ሳንዳር ፒቻይ፡ ገሊጹ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣውስትራልያ፡ ቶኒ ሞሪሰን፡ ነቲ ውጥን ዘለዎ ናእዳ ድሕሪ ምግላጽ፡ እዚ ውጥን ቢዝነሳትን ቊጠባን ኣውስትራልያ ንምድንፋዕ ሓጋዚ ክኸውን እዩ፡ ኢሉ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com