Thursday , May 16 2024

ካብ ሮቡዕ ጀሚሩ ሙቀት ዝዓብለሎ ኩነታት ኣየር ክህሉ ትጽቢት ይግበር!!

ብመስረት ትንበያ ብዓል መዚ ኣገልግሎት ሜትሮሎጂ ሽወደን ካብ ሮቡዕ ጀሚሩ ሙቀት ዝዓብለሎ ኩነታት ኣየር ኣብ መላእ ሽወደን ከምዝህሉ ሙካኑ ይእምት ። ኣብዚ ሒዝናዮ ዘለና ፍርቂ ሰሙን ኣብ ሰሜናዊን ደቡባዊ ክፋላት ጸሓይ ዝዓብለሎ ኩነታት ኣየር ክህሉ ኣብ ማእከላ ክፋል ድማ ማይ ዝተሓወሶ ኩነታት ክህሉ ይጽበ ።

ብመስረት ሕጂ ዘሎ ትንበያ ኣብ መብዝሕትኡ ክፋል ሽወደን 20 ዲግሪ ሰንቲግረድ ዝዕቀን ሙቀት ክህሉ ኣብ ሓደ ሓደ ቦታታት ድማ ስጋብ 25 ዲግሪ ሰንቲግሬድ ዝበጽሕ ክህሉ እይ ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com