Friday , May 17 2024

ካብ ሽወደን ክወጹ ዘይከኣሉ ፍሩዳት ኣለዉ ተባሂሉ

ኣብ ሽወደን ብሰንኪ ዝሰርሕዎ ገበን ሃገር ገዲፎም ክወጹ ብቤት ፍርዲ ዝተወሰነሎም 600 ገበነኛታት፡ ገና ካብ ሃገር ከምዘይወጹ፡ ትካላት ፍትሒ ምጥቃሰን፡ ጸብጻብ ራዲዮ ሽወደን ሓቢሩ።

ብዙሓት ካብቶም ናብ ሃገሮም ዘይተመልሱ ፍሩዳት፡ ብሰንኪ ካብ ዝመጽሉ ሃገር ዘሎ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት፡ እንተደኣተመሊሶም ኣብ ሂወቶም ሓደጋ ክወርዶም ስለዝኽእል፡ ከምዚ ዓይነት ስግኣት ዘሎዎ ሰብ ከኣ ኣገዲድካ ምምላስ ብዓለም ለኸ ሕጊ ፍቑድ ስለዘይኮነ፡ እቲ ፍርዲ ተፈጻሚ ምግባር ከምዘይተኻእለ ኣብቲ ጸብጻብ ቀሪቡ ይርከብ።

መብዛሕቶም ካብዞም ብዝሰርሕዎ ገበናት፡ ማእሰርትን ካብ ሃገር ክወጹን ዝተወሰነሎም ገበነኛታት፡ ብድሌቶም እንተደኣ ዘይተመለሱ ኣገዲድካ ዝግበር ምምላስ ከምዘጸግሞ ፖሊስ ሽወደን ገሊጹ። ብፍላይ ድማ እቶም ፍሩዳት ካብ ዒራቕ፡ ኢራን፡ ኤርትራ፡ ሶማልያን ሊባኖስን እንተድኣ ኮይኖም ክንመልሶም ኣይንኽእልን ኢና ክብል ዘረብኡ ዛዚሙ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com