Thursday , May 16 2024

ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ሚያዝያ ዝጅምር፡ ወሰኽ ደሞዝ፡ ክህሉ ኣብ ስምምዕ ተበጺሑ

ንጉዳይ ደሞዝ ናይቶም ኣብ ምምሕዳራት ከተማ ዝሰርሑ ኣባላት ብዝምልከት፡ ኣብ መንጎ ማሕበር ኣካዳሚያውያን (SSR) ናይ ምምሕዳራት ማሕበር ኣስራሕትን (SKR) ክካየድ ዝጸንሐ ዘተ፡ ብስምምዕ ክልቲኦም ወገናት ከምተዛዘመን ንድሕሪት ተመሊሱ፡ ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ሚያዝያ፡ ጀሚሩ ድማ ወሰኽ ናይ ደሞዝ ክግበር ምዃኑ ተፈሊጡ ክብል መርበብ ሓበሬታ ተተ (TT) ኣቃሊሑ።

ክልቲኦም ወገናት ሎሚ ኣብ ዘካየድዎ ጋዜጣዊ ዋዕላ፡ እቲ ስምምዕ፡ ንኣርባዕተ ዓመታት ዝጸንሕ ምዃኑ እኳ እንተተሓበሩ፡ ንመጠን ወሰኽ ናይ ደሞዝ ግን ኣይገለጹን።

ንመጠን መጀምሪ ስራሕ ዝኸውን ደሞዝ ብዝምልከት ድማ ኣብ መንጎ ክልቲኦም ወገናት ዘተ ድሕሪ ምክያዱ ኣብ ስምምዕ ስለ ዝበጽሑ ኣብ ዘካይድዎ ሓባራዊ ጋዜጣዊ መግለጺ ክሕብሩ ምዃኖም ተፈሊጡ ኣሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com