Friday , May 17 2024
Court of Appeal at the Supreme Court building in Nairobi, Kenya (AP Photo/Brian Inganga) NAI104

ኬንያ፥ ሚስጥራዊ ፍቕሪ ንዝእግድ ሕጊ ከተጽድቕ እያ። 

ኬንያ ሚስጥራውያን ኣፍቀርቲ ድሕሪ ሞት ኣፍቃሪኦም ክወርሱ ዝገብር ልማድ ብሕጊ ክትእግድ ምብጋሳ ኣብ ብዙሓት ዜጋታት ብሓጎስ ከም እተቐበልዎ ተገሊጹ።

ብመሰረት’ዚ ብኣባል ባይቶ፡ ፒተር ካሉማ፡ እተላዕለ እማመ ድሕሪ ሞት በዓልሓዳር ናይ ምውራስ መሰል ዝህልዎም እቶም ብሕጋዊ መርዓ እተወልዱ ቆልዑ ጥራይ ክኾኑ እዮም።

በዚ ድማ ሃብቲ ሚስጥራዊ ኣፍቃሪአን ክወርሳ ዝጽበያ ኣፍቀርቲ ምንም ዝወርሳኦ ኣይክህልወንን እዩ።

ብዙሓት ኬንያውያን በዚ እማመ ከም እተሓጎሱ ብ ኦንላይን ሓጎሶም ይገልጹ ኣለዉ።

ድሕሪ ደጊም ጠኒሰ እናበላ ዘይረጋጻሉ ሃብቲ ዝግሕጣ በለጸኛታት ኣይክህልዋን እየን፥ ወረስቲ ሕጋውያን ቆልዑ ጥራይ እዮም ክብል፡ ጃን ቸገ፡ ዝተባህለ ዜጋ ብትዊተር ሓጎሱ ገሊጹ’ሎ።

ካልእ ኣኪኚ ኣቦንጎ፡ ዝተባህለት መንእሰይ ከምዚ ክትብል ጽሒፋላ። ሃብታማት ሰብ ሓዳር በዚ ኣዋጅ ባህ ከም ዝብሎም ፍሉጥ እዩ፥ ምኽንያቱ ከይረሃጹ ክኸብሩ ዝደልዩ ሰባት ድሕሪ ደጊም ቦታ ኣይክህልወንን እዩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com