Thursday , May 16 2024
Joakim Zander Foto: Karin Wesslén / TT / kod 11940

ክልተ ኣባላት ፖሊስ፡ ዘይቅኑዕ ሓበሬታ ብምሃቦም፡ ተኸሲሶም

ክልተ ኣብ ምምሕዳር ስኮነ ዝርከቡ ኣባላት ፖሊስ፡ ንሓደ ሰብ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ድሕሪ ምእታዎም፡ እቲ ሰብ ብቅትለት ከምዘፈራርሆም ዝብል ሓበሬታ ኣብቲ ጸብጻቦም ኣስፊሮም። ድሒሩ ብተቖጻጸርቲ ካሜራ (surveillance camera) ከም ዝተረጋገጸ፡ እዞም ኣባላት ፖሊስ፡ ነቲ ብቕትለት ምፍርራህ ዝበልዎ ዛንታ ባዕላቶም ከምዝሰረሕዎን፡ ክልቲኦም፡ ብዘይቅኑዕ ሓበሬታ ምሃብ፡ ዘይግቡእ ቀይዲ፡ መጥቃዕቲ፡ ዜቤታዊ ዓመጽን ስርሰራ ኮምፕዩተርን ተኸሲሶም ከምዘለዉ ጋዜጣታት HD ን ሲድስቨንስካን ገሊጸን ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።

እዚ በዞም ኣባላት ፖሊስ ዝተፈብረከ ናይ ሓሶት ጸብጻብ፡ ኣብ ላንድስክሮና ኣብ ዝርከብ መንበሪ ገዛ ኣብ ዝተኻየደ ስርሒት ዝተፈጸመ እዩ። ይኹን እምበር፡ እዞም ኣባላት ፖሊስ፡ ኣብቲ ህንጻ፡ ተቖጻጸርቲ ካሜራታት ከምዘለዋ ንኹሉ ዝፈጸምዎ ይስንዳ ከምዝነበራ ዝዘንግዑ እዮም ዝመስሉ።

ኣብቲ ክፍሊ፡ ሓደ ብመስተ ዝተሰነፈ ዘይጎነጻዊ ሰብ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣብ ዘእትውሉ ዝነበሩ እዋን፡ ናይ በርበረ ነጻጊ ብምጥቃምን ኣእዳዉ ክኣስሩን፡ እዞም ኣባላት ፖሊስ፡ ተራእዮም። ብድሕሪኡ እዮም ነቲ ዛንታ ፈብሪኮሞ።

ከምዚ ዓይነት ፍጻሜ፡ ቅድሚ ሕጂ ፈጺሙ ኣጋጢሙኒ ኣይፈልጥን ክብል ላዕለዋይ ኣኽባሪ ሕጊ ኽዋኪም ዛንደር፡ ገሊጹ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com