Friday , May 17 2024

ክሳራ መንገዲ ኣየር ስካንዲናቭያ ይውስኽ

መንገዲ ኣየር ስካንዲናቭያ (SAS) ኣብ ራብዓይ ርብዒ ዓመት ዳርጋ ክልተ ቢልዮን ክሮነር (191 ሚልዮን ዶላር) ክሳራ ኣመዝጊቡ። ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ኣብ ዝዛዘም ምሉእ ፋይናንሳዊ ዓመት እቲ ኲባንያ፡ ኣታዊታት እቲ መንገዲ ኣየር ወሲኹ፡ ጽሩይ ክሳራኡ ድማ ካብቲ ቅድሚ ሓደ ዓመት ዝነበረ ሸውዓተ ቢልዮን ክሮነር ናብ 5.7 ቢልዮን ክሮነር ኣጉዲልዎ’ሎ። ይኹን እምበር ኣብ ራብዓይ ርብዒ ዓመት ጥራይ እቲ ጽሩይ ክሳራ ምስ ቅድሚ ሓደ ዓመት ዝነበረ ናይ 1.2 ቢልዮን ክሮና ክነጻጸር እንከሎ ናብ 1.9 ቢልዮን ክሮና ዓብዩ’ሎ። እቲ መንገዲ ኣየር ኣብ ጸብጻብ ኣታዊታቱ፡ ካብ ጽንኲር ኲነታት ባጤራታትን ዋጋ ነዳዲን ዝመጽእ ዝለዓለ ወጻኢታት፡ ዝተመሓየሸ ስርሒታውን ንግዳውን ኣፈጻጽማ ክህሉ ጌሩ’ሎ ይብል ። ኣብ ሙሉእ ፋይናንሳዊ ዓመት እቲ ኲባንያ፡ ዝሓየለ ጠለብን ዝለዓለ ዓቕምን ን ኣታዊታቱ ብ 30% ብምዕባይ ናብ 42 ቢልዮን ክሮና ኣብጺሕዎ’ሎ። ኣብ ሓምለ 2022፡ እቲ መንገዲ ኣየር ኣብ ኣመሪካ ምዕራፍ 11 ተባሂሉ ዝጽዋዕ ሓለዋ ክሳራ ዘቕረበ ኮይኑ፡ እዚ ድማ እቲ ኩባንያ ስርሑ እናቐጸለ ዳግመ ምትዕርራይ ዕዳኡ ክገብር ኣኽኢልዎ እዩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com