Friday , May 17 2024

ክታበት ህጻናት፡ ኣብ ሽወደን፡ ብዝለዓለ ደረጃ ይሳለጥ ምህላዉ ተገሊጹ

ሽወደናዊ ፕሮግራም ክታበት ህጻናት፡ ኣብ እዋን ለበዳ ኮሮና እውን ይሳለጥ ምህላዉ፡ ብበዓልመዚ ህዝባዊ ጥዕና ዝቐረበ ትንታነ ሓቢሩ።

ዓለማዊ ውድብ ጥዕና፡ ህጻናት እንተ ዘይተኸቲቦም ክስዕብ ብዛዕባ ዝኽእል ሓደገኛ ኩነታት ኣመልኪቱ ከምዘጠንቀቐ ዝዝከር እዩ። ኣብ ሽወደን፡ ቅልውላው ለበዳ ኮሮና እናሃለወ፡ ክታበት ህጻናት ብጽቡቕ ይሳለጥ ምህላዉ TT ሓቢሩ።

ኣብ መበል 18 ወርሒ ዕድሜኦም፡ ህጻናት ናይ ንፍዮን ካልእን ክታበት ይቕበሉ ምህላዎም ተገሊጹ። እቶም ኣብ 2018 ዝተወልዱ ህጻናት፡ ካብ ወርሒ ጥሪ ክሳብ ነሓሰ ናይዚ ዓመት ኣብ ዘሎ ግዜ፡ ከምዝተኸትቡ ተፈሊጡ ኣሎ።

ብዘይካ’ዚ ብርክት ዝበላ ተመሃሮ ሻድሻይ ክፍሊ ዝኾና ደቂ ኣንስትዮ፡ ክልተ ዶዝ ዝዓቐኑ ጸረ HPV ክታበት ኣብ መወዳእታ ናይ እዋን ጽድያ 2020 ምውሳደን ይፍለጥ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com