Friday , May 17 2024

ክታበት ኣስትራ ዘነካ ዝኣበዩ ሰባት፡ ገንዘባዊ መቕጻዕቲ ክብየነሎም ምዃኑ ተሓቢሩ

ነበርቲ ምምሕዳር ካልማር፡ ክሳብ ኣብ ቦታ ክታበት በጺሖም ንክኽተቡ ኣብ ወንበር ኮፍ ዝብሉ፡ እንታይ ዓይነት ክታበት ከምዝውግኡ ኣይፈልጡን እዩም። ኣብ እዋን ክትባት፡ ንክታበት ኣስትራ ዘነካ ይኹን ንኻልእ ዓይነት ክታበት ንኽውግኡ ምስ ዘይደልዩ፡ ናይ 200 ክሮነ፡ ገንዘባዊ መቕጻዕቲ ክብየነሎም ምዃኑ ክፈልጡ ይግባእ። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ድማ፡ እቲ ግዜ፡ ከምቲ ናይ ሕክምና ቆጸራ ምጥላም፡ ዘስዕቦ ገንዘባዊ መቕጻዕቲ፡ ኮይኑ ስለዝቑጸር እዩ ክብል’ቲ ምምሕዳር ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ።

ብዙሓት ምምሕዳራት፡ ነዚ ጉዳይ ብዝምልከት፡ ጸብጻበን ናብ ቤት ጽሕፈት ኦምቡድስማን (Ombudsman) ከምዘመሓላለፋ፡ ጋዜጣ SVT Småland ኣብ ዓምድታቱ ኣስፊሩ።

ብኻልእ ወገን፡ ምምሕዳር ስቶክሆሎም፡ ነቶም ክታበት ኣስትራ ዘነካ ኣይንውጋእን ኢና ዝበሉ ሰባት፡ ፍርያት ናይ ካልእ ኩባንያ ዝኾነ ክታበት ንኽውግኡ ዕድል ከምዘይወሃቦም ምግላጹ ተፈሊጡ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com