Wednesday , May 15 2024
Former President Donald Trump and his wife Melania (AP Photo/David J. Phillip) WS123

ክታበት ዝወሰደ ትራምፕ፡ ናይ ተቛውሞ ድምጽታት ኣጋጢምዎ

ፕረዚደንት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ነበር፡ ዶናልድ ትራምፕ፡ ሳልሳይ ብልቃጥ ክታበት ኮቪድ-19 ከም ዝወሰደ ኣብ ከተማ ዳላስ ኣብ ቅድሚ ዝሰምዕዎ ዝነበሩ ሰባት ድሕሪ ምጥቃሱ፡ ዘይተጸበዮ ናይ ተቛውሞ ድምጽታት ከም ዝሰምዐ ተገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ፡፡

ናይ መደበር ተለቪዥን፡ ፎክስ ኒውስ፡ ህቡብ ዝነበረ ሰብ፡ ቢል ኦሪሊ፡ ንትራምፕ ቃለ- መሕትት ኣብ ዝገበረሉ ዝነበረ ግዜ፡ ኦሪሊ ንትራምፕ ብዛዕባ ሳልሰይቲ ብልቃጥ ክታበት ወሲዱዋ እንተ ኾይኑ ኣብ ዝሓተተሉ ግዜ፡ ትራምፕ፡ ድማ እወ ክብል መሊሱ፡፡ እቲ ዝነበረ ህዝቢ ድማ ብዉዕዉዕ  ስምዒ ብመዕዝምዛምን ምግርምራምን ናይ ዘይምቕባል ስምዒቱ ገሊጹ፡፡ ጥራምፕ ድማ፡ ኢዱ ኣብ ህዋ እና ወዛወዘ “ ኖእ! ኣይትበሉ! ኣይከውንን! ብምባል ነቲ ናይ ተዓዘብቲ ግብረመልሲ ተቓዊሙዎ፡፡

ትራምፕ ካብ ኣብ ስልጣን ዝነበረሉ ግዜ ኣትሒዙ ንኹሉ ናይ ክታበት ግዴታታት ይቃወም ከምዝነበረ ዝዝከር `ዩ፡፡ እንተኾነ ግን ኣብ`ቲ ዝካየድ ዘሎ ናይ ዑደት ግዜ፡ ክታበት ኣብ ናቱ ዘበነ-ስልጣን ብምጅማሩ ክሕበኑ ከምዘለዎም ንደገፍቱ ተማሕጺኑ፡፡ ገለ ካብቲ ብዙሕ ኣብ ዳላስ ዝበሎ ካኣ፥ ካብ`ቲ ቀደም ዝነበሮ ናብ ዝበኣሰ ኩነታት ብዙሕ ከምዘይከደ ገሊጹ፡፡

ኣብ መስከረም ምስ ዎል ስትሪት ጆርናል ኣብ ዝገበሮ ቃለ-መሕትት፡ እቲ ፕረዚደንት ነበር፡ ምናልባት መበል ሳልሳይ ብልቃጥ ክታበት ንገዛእ ርእሱ ምውሳድ ከምዘየፍቅድ ተዛሪቡ ምንባሩ ውን ብተወሳኺ ይዝከር።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com