Wednesday , May 15 2024

ክፍሊ ኢመግረሽን መንበሪኦም ክቕይሩ ንዝደልዩ ሓተትቲ ዕቚባ ዝምልከቱ ሓደስቲ ሕግታት ይነድፍ።

ብመሰራት ኣብ መራኸቢ ገጻት ክፍሊ ኢመግረሽን ዝተዘርግሔ ሓበሬታ ሰባት ባዕላቶም መንበሪኦም ክቕይሩ ንዝደልዩ ሓተትቲ ዕቚባ ዝምልከት ካብ ዝመጽእ ሓምለ ጀሚሩ በዓልመዚ ኢሚግሬሽን ሓደስቲ ሕግታት ከተኣታቱ ምዃኑ ተገሊጹ። በዚ መስረት ኣብ ግዚኡ እዚ ሓደሽቲ ሕግታት በቲ በዓልመዚ ክውሰን እዩ ተባሂሉ’ሎ ካብ ዘሎ ሓደሽቲ ሕግታት ንብቚጠባዊ ማሕበራዊን መዳይ ዝተገለሉ ሰባትን፣ ንዝስወሩ ሓተትቲ ዕቚባን መዓልታዊ መቚነን ረድኤትን ካልእን ሕግታት ዝምልከት ሙዃኑ እዩ እዚ ሓበሬታ ዘመልክት።

እዚ ሕጊ ዝወጸለን ምምሕዳራት ከተማ እዘን ዝስዕባ እየን Borlänge, Borås, Botkyrka, Eskilstuna, Filipstad, Gävle, Göteborg, Halmstad, Helsingborg, Huddinge, Järfälla, Jönköping, Karlskrona, Katrineholm, Kristianstad, Landskrona, Linköping, Malmö, Motala, Malmö, Motala Trollhättan, Uddevalla, Uppsala, Västerås, Växjö, Åstorp and Örebro እየን። ብመሰረት እዚ ሕጊ ሓተትቲ ዕቚባ ብቐሊሉ ኣብ ሕብረተሰብ ዝወሃሃድሉ ኣገባብ ኣትኲሮ ዝገበረ ምቕያር መንበሪ ብመንግስቲ ክሳለጥ እዩ።፡ መንግስቲ ሽወደን ኣብ 32 ምምሕዳራት ሽወደን ማሕበራዊን ቊጠባዊን ጸገማት ዘለዎም ብሓፈሻ ምሕዱጋት ሰባት ምህላዎምን ኣፍሊጡ።

ካብ ዝመጽእ ጽድያ ጀሚሩ እዘን ምምሕዳራት ከተማ ንቈንስል ስደተኛታት ኣብ ቀረባ እዋን ኣድራሻ ሓተትቲ ዕቚባ ከፍልጥ ምዃኑ’ውን ተመልኪቱ። እዚ ምምሕዳር ካብ ሓምለ 1, 2020 ጀሚሩ ነዚ ክፍጽም ምዃኑ እውን ተሓቢሩ’ሎ። ሕጂ ኣብዚ ከባቢታት ዝቕመጥ ሰብ ናብዚ ሓድሽ ሕጊ ኣለኹ እንተኢሉ ናይ ዕለታዊ ፋይናንሳዊ መቚነኑ ክቋረጽ ዘይምዃኑን ከምቀደሙ ከምዝቕጽል ከኣ እቲ ምምሕዳር ኣፍሊጡ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com