Wednesday , May 15 2024

ክፍሊ ኢመግረሽን ኢንግሊዛውያን ዝረከብዎም ንቡዝሓት ዜግነት ከምዝሃበ ኣፍሊጡ።

ኣገልግሎት ኢሚግሬሽን ቅድመ ምውጻእ ብሪጣንያ ኣመልኪቱ ድሕሪ ዝገበሮ ስሉጥ ሓገዝ ኣብዚ ዓመት ልዕሊ 2400 ብሪጣንያውያን ሽወደናዊ ዜግነት ተዋሂቦም ተባሂሉ። ብዙሓት ካብዞም ዜግነት ዝተዋህቡ ዛጊት ክልተ ወርሒ ቅድሚ ምሕላፍ ግዜ ምውጻእ ብሪጣንያ ካብ ሕብረት ኣውሮጳ ናይ ምውህሃድ ሕቶኦም ክምለሰሎም ይጽበዩ ምህላዎም ተገሊጹ’ሎ።

ኣብ ወርሓ መጋቢት ኤጀንሲ ማይግሬሽን ንሕቶ ናይዞም ኣመልከትቲ ቅድሚ ምውጻእ ብሪጣንያ ንምምላስ ብዝብል ን 1275 ብሪጣንያውያን ዜግነት ሽወደን ምሃቡ ይዝከር እዩ። እዚ ቊጽሪ ብምንቊልቋል ኣብ ሰነ 100 ኣብ ነሓሰ ከኣ 50 ብሪጣንያውያን ጥራይ ዜግነት ሽወደን ክወሃቡ ተጌሩ ኣሎ። ኣብ ወርሓ ነሓሰ ቊጽሪ ናይቶም ሕቶ ዜግነት ዘእተዉ ብሪጣንያውያን 2023 እዩ ኔሩ ተባሂሉ’ሎ።

ኣፈኛ ሰብመዚ ሽወደን ጆሃና ሙህለን ብምውጻእ ብሪጣንያ ካብ ኣውሮጳዊ ሕብረት ንዝተጸልዉ ሰባት ዜግነት ምሃብ ቀዳምነት ተሰሪዕ ምህላዉ ኣብ መርበብ ሓበሬታ እቲ ኤጀንሲ ገሊጻ’ላ። ብመሰረት እዚ ኣገባብ ኣብ ብሪጣንያ ድሕሪ ሶርያውያን ኣፍጋኒስታውያንን ሶማልን ብራብዓይ ደረጃ ዝበዝሑ ዜግነት ሽወደን ዝሓዙ ክኾኑ እዮም።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com