Friday , May 17 2024

ክፍሊ ኢሚግሬሽን ካብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣገዳሲ ዝኾነ ውሳኔ ረኺቡ

ክፍሊ ኢሚግሬሽን፡ ንጉዳያት ሓተቲ ዑቕባ ዝውክሉ ዘይብቑዓት ሰባት ክኽልክል (ክነጽግ) ዘኽእል ኣገዳሲ መሰል (ውሳኔ/ፍርዲ) ካብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ከምዝረኸበ TT ሓቢሩ።

እቲ ውሳኔ ናብ ቅኑዕ ኣንፈት ዘምርሕ ስጉምቲ እዩ ክትብል ኣደ ወንበር ማሕበር ጠበቓታት፡ ማያ ኣንሶላንድ፡ ገሊጻ።

ብመሰረት እቲ ብቤት ፍርዲ ዝተዋህበ ውሳኔ፡ ክፍሊ ኢሚግሬሽን፡ ነቶም ዘይብቑዓት ዝብሎም ሰባት ካብ ዝርዝር ወከልቲ ጉዳያት ሓተቲ ዑቕባ ክስርዝ መሰል ተዋሂብዎ ኣሎ።

ንጉዳያት ሓተቲ ዑቕባ ዝውክሉ ሰባት፡ ምእንቲ መሰላት ሓታቲ ዑቕባ ዝኾነ ሰብ፡ ብትግሃትን ብተገዳስነትን ዝሰርሑ ደኣ እምበር፡ ኣብ ይግባይ ዝድንጉዩን ገበናት ዝፍጽሙን ክኾኑ ኣይግባእን ክብል ኣብ ክፍሊ ኢሚግሬሽን ሓላፊ ጉዳያት መሰላት ዝኾነ ፍሬድሪክ ፒር ገሊጹ።

ብቑዕ ዝኾነ ሓጋዚ ምርካብ እቲ ቀንዲ ኣገዳሲ መሰል ምዃኑን ቤት ፍርዲ ድማ ነዚ መሰል እዚ ኣብ ግምት የእትዩ ከምዝወሰነ ብተወሳኺ ፒር ኣብሪሁ።

ሓታቲ ዑቕባ፡ ኣብ ዝርዝር ወከልቲ ሓተቲ ዑቕባ ስሙ ዘይተረኽበ ሰብ ክውክሎ ዘኽእል መሰል ኣለዎ። ክፍሊ ኢሚግሬሽን ብወገኑ ንብቕዓት ናይቲ ሰብ መዚኑ ክውስንን ናይ ምንጻጉ መሰል ከምዘለዎን ተፈሊጡ ኣሎ።

እዚ ማለት ግን፡ ኩሎም ናይ ሕጊ ምስክር ወረቐት ዘይብሎም ወከልቲ ሓተቲ ዑቕባ ክስረዙ (ክስጎጉ) ማለት ኣይኮነን። ጉዳያት ሓተቲ ዑቕባ ንኽትከታተል ናይ ግድን ኣይኮነን ሕጋዊ ወኪል ወይ ድማ ጠበቓ ክትከውን ዘለካ።  እንተኾነ፡ ሓያል ጎድንታቶም ከንጸባርቑ ክግደዱ እዮም ክብል ፒር ዘረብኡ ዛዚሙ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com