Friday , May 17 2024

ኮሚቴ ኢሚግሬሽን ሽወደን፡ ብዘይ ፍረ ርክቡ ደምዲሙ

ኮሚተ ኢሚግሬሽን ባይቶ ሽወደን ብዛዕባ እታ ሃገር ኣብ መጻኢ ክትክተሎ ዝግባእ፡ ፖሊሲ ሓተትቲ ዕቕባ፡ ርሱን ክትዕ ምእንጋዱ ተገሊጹ ክብል ኣገልግሎት ዜና TT ሓቢሩ።
“ብሓፈሻኡ እቲ ኲነታት ጽቡቕ እዩ ዘሎ ኢልና ኢና እንኣምን” ክብል ንሰልፊ ሶሻል ዲሞክራትና ወኪሉ ኣባል’ዛ ኮሚቴ ዝኾነ ሪካደር ላርሰን ሓቢሩ።
እዚ እናኾነ ኣብታ ኮሚሽን ወኪል ዓቃባዊ ሰልፊ፡ ቶቢያስ ቢልስትሮም፡ “እዛ ኮሚቴ፡ ኣብ ታሪኽ ብፍጹም ፍሽለት ከይትዝከር ስግኣት ኣሎኒ” ክብል ስግኣቱ ገሊጹ።
እዛ ኮሚተ፡ ናይ ዝበዝሑ ኣባላት ድጋፍ ዘለዎ ሓፈሻዊ እማመ ከም ዘየቕረበት ተፍሊጡ ኣሎ። ከም ኣማራጺ፡ ብርክት ዝበሉ ሓደስቲ ውልቃዊ እማመታት እያ ናብ ኣጀንዳ ከተቕርብ። እታ ድሕሪ’ዚ እማመ ኮሚተ ዘላ እንኮ ሰልፊ ሶሻል ዲሞክራትና እያ።
ብሓፈሻ ጽቡቕ ነገር እዩ ኢልና ኢና ንኣምን ይብል ላርሰን። እዚ ሓድሽ እማመ፡ ነቲ ዝስራሓሉ ዘሎ ግዜያዊ ሕጊ ዝቐራረብን ኮይኑ ጽንክር ዝበለ ፖሊሲ ኢሚግሬሽን ከም ዝቕጽል ዝገብርን እዩ። እዚ እናኾነ ግና ዕቑባ ንዘድልዮም ሰባት እቲ ዝግብኦም ምሃብ ክንቅጽሎ ኢና ክብል ወሲኹ ገሊጹ።
ክልቲአን ኣባላት መንግስቲ ዝኾና ሰልፊታት፡ ሶሻል ዲሞክራትናን ኣከባብን፡ ብጉዳይ እዚ እማመ ኣብ ስምምዕ ክበጽሓ ብዘይ ምኽኣለን እዚ ሕጊ ብኸመይ ኣገባብ ኣብ ትግባረ ክውዕል ከም ዝኽእል ኣሸጋሪ ኮይኑ ኣሎ። ሰልፊ ኣከባቢ ነዚ እማመ ሰብኣውነት ዝጐደሎ እዩ ክብል ነጺግዎ ከምዘሎ ይዝከር። እዚ እማመ፡ ናብ ፓርላማ ክሰጋገር እንተድኣ ኮይኑ፡ መጀምርያ፡ ኣባላት መንግስቲ ክሰማምዕሉ ከምዝግባእ ይፍለጥ።
እዘን ሰልፊታት ባይቶ ኣብቲ ኮሚተ ዘለወን ስልጣን እንተድኣ ቀጺሉ፡ እዚ እማመ ናብ ፓርላማ ክሓልፍ ተኽእሎ ኣሎ” ክብል ላርሰን ትንቢቱ ኣንቢሩ’ሎ።
ከም ክርስትያን ዴሞክራትናን ስቬርያ ዴሞክራትናን ዝኣመሰሉ ዓቃባውያን ሰልፊታት፡ ጽንዕ ዝበለ ፖሊሲ ኢሚግሬሽን ክትግበር እኳ እንተጸውዑ ምምጣን ቊጽሪ ስደተኛታትን ሓገዝ ማሕበራዊ ድሕነትን ናይ ምርካብ ሕጊታት ክጽንክር ዝብሉ ኣርእስታት ኣብ ዘቕረብዎ እማመ የለን። ኣብ መንጐ ሰልፍታት፡ ሶሻል ዶሞክራትናን ኣከባቢን ዘሎ ዘይምስምማዕ፡ ናብቲ ቅድሚ እዚ ዘሎ ሕጊ ዝነበረ፡ ፍኹስ ዝበለ ሕጊ ኢሚግሬሽን ክመልሰና ይኽእል እዩ ዝብል ስግኣት ከም ዘለዎ ኣይሓብአን።
ሰልፊ ሶሻል ዲሞክራትና፡ ንሓደ ኣዝዩ ልዙብ ዝኾነ ፖሊሲ ኣብ ሓደጋ የእትዩ ናብቲ ናይ ቅድሚ 2015 ዝነበረ ፖሊሲ ይመልሶ ምህላዉ ብኸመይ ኣገባብ ንህዝቢ ሽወደን ክሕብሮ እዩ ክብል ላርሰን ቅሬትኡ ገሊጹ።
ንሰልፊ ኣከባቢ ወኪላ ኣባል’ታ ኮሚቴ ዝኾነት፡ ኣኒካ ፋልክ፡ ሓደገኝነት ናይቲ ሒዛቶ ዘላ ኣጀንዳ ኣይርዳኣን እዩ ዘሎ። ናብቲ ናይ ቀደም ዝነበረ ሕጊ ኤሚግሬሽን ዝመልስ ርድኢት እዩ ዘለዋ። ሰልፊ ኣከባቢ ግን ዝቃወሞ ጉዳይ ኣይኮነን ክብል ላርሰን ገሊጹ።
ሰልፊ ኣከባቢ፡ ነቲ ናይ ቀደም ዝነበረ ሕጊ ኤሚግሬሽን ምስቲ ዝስራሓሉ ዘሎን ወይ ድማ ምስቲ ሓድሽ እማመን ከነጻጽሮ እንከሎ፡ ዝያዳ ሰብኣውነት ዝመለኦን ውሕስነት ዝነበሮን ኢሉ ከምዝገልጾ ይፍለጥ። እቲ ናይ ቅድም ዝነበረ ሕጊ ኢሚግሬሽን፡ ከምእንደገና ክምለስ ይኽእል እዩ ዝብል እምነት ግን የብለይን ክትብል ኣኒካ ገሊጻ።
ንጉዳይ እማመ ኢሚግሬሽን ብዝምከት፡ ሓድሽ ልዝብ ከድልየና እዩ ክብል ላርሰን ገሊጹ።
ኮሚቴ ኢሚግሬሽን፡ ክሳብ ዕለት 14/08/2020 ዘሎ ግዜ፡ እማመ ናብ መንግስቲ ከቕርብ መደብ ኣሎ። እዚ ዝሰራሓሉ ዘሎ ሕጊ ኢሚግሬሽን፡ ኣብ ወርሒ ሰነ 2021 ከብቅዕ እዩ። ሓድሽ ሕጊ እንተዘይተነዲፉ ግን፡ ናብቲ ናይ ቅድሚ እዚ ዝስራሓሉ ዘሎ ዝነበረ ዝፎኸሰ ሕጊ ኢሚግሬሽን ክምለስ ምዃኑ ይፍለጥ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com