Friday , May 17 2024

ኮሚቴ ኢሚግሬሽን (Immigration Committee)፡ ናይ መወዳእታ እማመ ኣቕሪቡ

ብፓርላማ ሽወደን ዝተመዘ ኮሚቴ ኢሚግሬሽን፡ ትማሊ ሰሉስ፡ ናይ መወዳእታ እማመ ናብ ሚኒስተር ፍትሕን ኢሚግሬሽንን ሽወደን፡ ሞርጋን ዮሃንሰን፡ ከምዘረከበ ተፈሊጡ። እዚ ዝስራሓሉ ዘሎ ፖሊሲ ግዚኡ ምስ ኣብቅዐ፡ እዚ ሓድሽ እማመ ኣብ ግብሪ ንኽውዕል ትጽቢት ዝተገብረሉ እዩ። ይኹን እምበር፡ ንጉዳይ ፖሊሲ ኢሚግሬሽን ብዝልከት፡ ኣብ ሞንጉ ሰልፍታት ሽወደን ዝተኻየደ ዘተ ብምፍሻሉ፡ ኮሚቴ ኤሚግሬሽን፡ ብኹለን ሰልፍታት ዝተደገፈ ጠማሪ ዝኾነ እማመ ከይሓዘ፡ በንጻሩ’ኳ ደኣ፡ ኩለን ሰልፍታት፡ ዘቕረበኦ ዝተፈላለዩ እማመታት ሒዙ ናብ ሚኒስትሪ ፍትሒ ከምዘቕረበ SVT ሓቢሩ።

ኣቦ ወንበር እታ ኮሚቴ፡ ቶማስ ሮሊን፡ ካብ ኩለን ሰልፍታት፡ 28 ዝኾኑ ዝተፈላለዩ እማመታት ተቐቢሉ ነይሩ። ንኹሎም እማመታት ዝድግፍ ድምጺ ግን ኣይተረኽበን።

ካብቶም ቀንዲ ዝቐረቡ ኣካታዕቲ እማመታት፡ ብዛዕባ ቀዋሚ መንበሪ ፍቓድን ምጥርናፍ ስድራ ቤትን ከምዝነበሩ ተፈሊጡ ኣሎ። 

ሓደ ሰብ፡ ናይ ሰለስተ ዓመት ዕድመ ዘለዎ ግዝያዊ መንበሪ ፍቓድ ይወሃብ። ኣብዘን ሰለስተ ዓመታት፡ ጽቡቕ ኣፍልጦ ብዛዕባ ቋንቋን ሕብረተሰብን ሽወደን እንተ ኣማዕቢሉ፡ ቀዋሚ መንበሪ ፍቓድ ይወሃቦ። እንተዘይኮይኑ ግን ግዝያዊ መንበሪ ፍቓድ ይናዋሓሉ። ምጥርናፍ ስድራ ቤት ንዝሓትት ሰብ ድማ፡ናይ ግድን ባዕሉ ክጥውሮምን እኹል ዝኾነ መንበሪ ከዳልወሎምን ይግደድ ዝብሉ ምንባሮም ይዝከር።

ብኮሚቴ ዝቐረቡ እማመታት፡ ነቶም ብመንገዲ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝመጹ ስደተኛታት ኣይምልከትን እዩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com