Saturday , May 18 2024

ኮሚደረ

እዚ ነዊሕ ዓመታት ዝገበረ ፍረ፡ ኣብ ሃገረ ጥልያን እቲ ብዙሕ ተገዳስነት ዘይወሃቦ ዝነበረ ፍረ እዩ። እቶም ቀዳሞት ነበርቲ ደቡብ ኣመሪካ ኣብ ማእከላይ ኣመሪካ ይዘርእዎ ከም ዝነበሩ ድማ ይፍለጥ።

ኮሚደረ፡ ናብ ሃገረ ጥልያን ኣብ 1500 ዓመተ ምህረት ብስጳኛውያን ዳህሰስቲ’ዩ ተኣታትዩ። ብድሕሪ’ዚ ብዝመጹ ዝነበሩ ዝተፈላለዩ ነበርቲ እናስፍሐ ከይዱ። ኮሚደረ፡ ብዘለዎ ማያዊ ትሕዝቶ ኣብቲ ፈለማ እዋን ኣብ ምሕቃቕ መግቢ ጸገም የምጽእ’ዩ ዝብል እምነት ኔሩ። ቅድሚ 18 ክፍለ ዘመን ኣብ ዝነበረ ግዜ፡ ኮሚደረ፡ ንመጸባበቒ ክኸውን ተባሂሉ ብብዝሒ ይፈሪ ከም ዝነበረ ይፍለጥ።

ኣብዚ ዘለናዮ እዋን ዝዳሎ ዘሎ ብኮሚደረ ዝተሰርሐ ጸብሒ፡ ሳልሳን ካልኦት ዝተፈላለዩ ትሕዝቶ ኮሚደረ ዘለዎም ነገራትን፡ ክሳብ 1692 ኣብ ዓዲ ጥልያን ኣይስርሑን ኔሮም። ኣብ ዝሓለፉ 150 ዓመታት’ዩ ኮሚደረ፡ ኣብ መላእ ዓለም ክዝርጋሕ ተራእዩ። ካብ 1773 ኣትሒዙ ድማ ምስ ስጋን ሩዝን ተሓዊሱ ክስራሕ ጀመረ። ኣብ ሃገረ ኔፓል እዚ ፍረ ኣብ ባኒ ተለኽዩ ይቕረብ ነበረ።

ኮሚደረ፡ ኣብ መላእ ዓለም ክዝርጋሕ ዘኽኣሎ ኣብ ፋብሪካታት ክምስራሕ ምስ ጀመረ እዩ። ኣብ መፋርቕ 19 ክፍለ ዘመን፡ ፋብሪካታት ኮሚደረ ኣብ ዶባት ዓዲ ጥልያን ኣስፋሕፊሑ’ዩ። ኮሚደረ፡ ኣብ ታኒካታት ተዓሺጉ ብዘይ ዝኾነ ጸገም ክጸንሕ ምኽኣሉ ተጠላብነቱ ክዛይድ ሓጊዙ። ዝተዓሸገ ኮሚደረ (ሳልሳ)፡ ኣብሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ተፈላጥነቱ ክዛይድ ዝኽኣለ፡ ኣብ 20 ክፍለ ዘመን ብኢጣልያውያን ስደተኛታት’ዩ። ኣብ መዲተራንያን ብዝፈርይ ዝነበረ ኮሚደረ ድማ፡ ኢጣልያውያን ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዓቢ ፋብሪካ ሳልሳ ከፈቱ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com