Wednesday , May 15 2024

ኲባንያታት ጒዕዞን መንገዲ ኣየርን ሽወደን ኣብ ጸሊም መዝገብ ኣትዮም።

ኲባንያታት ጒዕዞን መንገዲ ኣየርን ሽወደን ኣብ ጸሊም መዝገብ ኣትዮም። ቦርድ ሓፈሻዊ ጥርዓናት ሽወደን ሓድሽ ጸሊም መዝገብ ዝሓመቑ ዝበሎም መንገዲ ኣየራት፥ ጒዕዞን ኣገልግሎትን ኣመልኪቱ ምውጽኡ ተፈሊጡ። እዚ ብተገልገልቲ ዝመጹ ጥርዓናት ምኽንያት ጌሩ ዝመጸ ምዃኑ ድማ ተመልኪቱ። እዚ ዝርዝር 165 ሓደስቲ ኲባንያታት ዝሓዘ ኰይኑ ንምኽሪ ቆንስል ሓፈሻዊ መረረታት ካብ ምፍጻም ዝሓንገዱ እዮም ተባሂሎም ኣለዉ። እዚ ዝርዝር ኣብ ዓመት ክልተ ሳዕ ምሕዳስ ከም ዝግበረሉ ተፈሊጡ’ሎ። ምድንጓይ፥ ምስራዝን ምጥፋእ ሻንጣን ዝመስሉ ሽግራት ከም ዝነበሮም ድማ ተመልኪቱ።

ብመሰረት እዚ ዝርዝራት ገለ 23 ዝኾና ኲባንያታት ጒዕዞ 540 ሽሕ ክሮና ካሕሳ ንተጓዓዝቲ ክኸፍሉ እዮም። እዞም ኣብ ታሕቲ ዝጥቀሱ እቶም ዝሓመቑ ዝተባህሉ ኲባንያታት እዮም።

1 Ryanair, Dublin (19)

2 Finnair, Helsinki (16)

3 Vueling Barcelona (10)

4 Hemrett, Gottbury (5)

5 Fixofix, Sollentuna (4)

6 : 75: ans bil, Norrkoping (4) ABS Wheels7, Arlanda (3)

8 Citycar, Poros (3)


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com